ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ክጅመር’ውን ኢ-ህገ መንግስታዊ’ዩ” አቶ ጥሩነህ ገመታ


አዋጅ ህጹጽ እዋን ኢትዮጵያ ክጅመር’ውን ኢ-ህገ መንግስታዊ’ዩ፡ ዝተአወጀ’ውን ንሕገ-መንግስት ብዝጻረር ኩነት’ዩ ክብሉ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስ ኮንግረስ አባል ፈጻሚ ኮሚቴ አቶ ጥሩነህ ገመታ ገሊጾም።

አቶ ጥሩነህ ነዚ ዝበሉ ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያ ደሳለኝ እቲ አዋጅ ኣመልኪቶም ንፓርላማ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እቲ ኣዋጅ ክናዋህ ይኽእል’ዩ ንዝበልዎ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ’ዩ።

ነቲ 82 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ነቲ አዋጅ ዝድግፍ’ዩ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዛረብዎ ብዝምልከት እቶም አባል ፈጻሚ ኮሚቴ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም።

“ ርእይቶ ህዝቢ ክበሃል ከሎ ግልጽን ወግዓዊ ዝኾነን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ርእይቶ ህዝቢ ብኸመይ ከምዝተአኸበ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተገልጸሉ ነገር የለን፡ ዝተዋህበ መብርሂ’ውን የለን። ስለዚ ናይ ባዕሎም ምክንያት ክደልይሉ እንተዘይኾነ ርእይቶ ህዝቢ ዝተአኸበሉ ህዝቢ ኸአ ህገ መንግስታዊ ዝኾነ መሰለይ ኣይተከበረን ኢሉ ርእይትኡ ዝህበሉ ምክንያት ንዓይ ትርጉም ኣይህበንን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG