ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊ ወትሃደር ኣብ ጃፓን ዝፈፀሞ ቅትለት መዘራረቢ ኮይኑ


ኣሜሪካዊ ወትሃደር ኣብ ጥቃ ወትሃደራዊ ካምፕ ሰራዊት ኣሜሪካ ንሓንቲ ጃፓናዊት ምቅታሉ ሎሚ’ውን ዓሚቕ ቅሬታ ከምዝፈጠረሎም፣ቀ/ሚ ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ንፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ገሊፆም።

እቶም ቀ/ሚ ክዛረቡ ከለው ‘ዝብሎ’ውን የብለይን’፣ ሙሉእ ሃገር በቲ ቅትለት ሰንቢዱ’ዩ’ ኢሎም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተዘራረቡ፣ 32 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣባል ሓይሊ ኣሜሪካ ነበር ኬነዝ ፍራንክልን፣ ንጃፓናዊት ሪና ሺማቡኩሩ ወጊኡን ሓኒቁን ድሕሪ ምቅታሉ፣ ኣብ ጥቃ መደብር ሰራዊት ኣሜሪካ ዝርከብ ዱር ሬሳኣ ድሕሪ ምድርባዩ’ዩ።

ብመሰረት ሕጊ ጃፓን ፍትሒ ክሳብ ዝረጋገፅ ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።

XS
SM
MD
LG