ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ኣፍሪቃ


ቤተ-ሰብ ኦባማ
ቤተ-ሰብ ኦባማ
ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ኣብ ሴኔጋል ዝጀመርዎ ዑደት ፈፂሞም፣ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተበጊሶም።ቀንዲ መቃን ርክብ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ዴሞክራስን ከምዝኸውን ጠቂሶም።

ፕረዚደንት ኦባማ ካብ ሴኔጋል ቅድሚ ምብጋሶም፣ምስ ኣውፈርቲ ሃብቲ ሴኔጋላውያን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዳካር ተዘራሪቦም።እቲ ዝርርብ ብመሰረት ኣሜሪካ ንሃገራት ኣፍሪቃ ወጢናቶ ዘላ መደባትን ቴክኖሎጂን‘ዩ ተሳሊጡ።

ንሶም ነቲ ብውልቀ ሰብ ሃብቲ ዝካየድን ቀለብ ንናይ ፅባሕ ዓለም ዝብል ኣምር ኣፋሊጦም።እዚ ፕሮግራም‘ዚ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ፍርያማነት ንክድንፍዕ ዝሓገዘ ፕሮግራም‘ዩ።

”ስነ-ምግባራዊ ግዴታ ዝሓዘ‘ውን‘ዩ።ኣፍሪቃ ትላዓል‘ያ ዘላ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምሳና‘ውን ክትሻረኽ ድልየታ‘ዩ።ኣባና ክትምርኮስ ዘይኮነስ ኣብ ሽርክነት ዝተመስረተ ርክብ’ዩ” ኢሎም ኦባማ።

ሚስተር ኦባማ ኣብ ዘረበኦም ፕሮግራም ቀለብ ንናይ ፅባሕ ዓለም፣ብሓደ ወገን ርእሰ-ተኣማንነት ዘሐይል ብካልእ ወገን ንኣሜሪካውያን ሰብ-ሃብቲ ዝሕግዝ‘ዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ”ኣሜሪካውያን ዝኸፍልዎ ግብሪን ናይ ወፃኢ ሓገዝን ኣበይ ይኣቱ‘ሎ ኢሎም እንተሓተቱ፣ገንዘብኩም ኣይጠፍእን ዘሎ ክብሎም ይደሊ።ህዝብታት ርእሶም ንክኽእሉ ይሕግዞም‘ዩ ዘሎ፣ንስድራ-ቤታት ይሕግዝ‘ዩ ዘሎ። ንኩባንያታት ኣሜሪካን ኣቊሕቶምን ሓድሽ ዕዳጋ ይኸፍቶም‘ሎ ክብሎም ይደሊ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፕረዚደንት ኦባማ፣ኣብ ኣፍሪቃ ዝጀመርዎ መገሻ ሰለስተ ሃገራት ብምቅፃል ሎሚ ምሸት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኣትው‘ዮም።

ንሶም ኣብ‘ታ ሃገር ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን፣ንኣዝዮም ሓሚሞም ዘለው ፕረዚደንት ኔልሰን ማንዴላ ክበፅሕዎም እንተኾይኑ ኣይተፈልጠን። ዋይት ሃውስ - ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ግና፣እዚ ዝውሰን ብቤተ-ሰብ ማንዴላ‘ዩ ይብል።

ሚስተር ኦባማ ሳልሰይቲ ዝገይሹላ ሃገር ታንዛንያ ክትከውን‘ያ።
XS
SM
MD
LG