ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተወሊዶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ደረጃ ምምዝጋቡ ተገሊጹ


ቁጽሪ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተወሊዶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ደረጃ ምምዝጋቡ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

ቁጽሪ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተወሊዶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሰባት ዝለዓለ ደረጃ ምምዝጋቡ ተገሊጹ

ቁጽሪ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ እንተጎደለ'ኳኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኣብ ወፃኢ ዝተወለዱ ሰባት ግን ዝለዓለ ቁፅሪ ከም ዝበፅሐ ይገልፅ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ቆፀራ ህዝቢ ቁፅሪ ኣብ ወፃኢ ዝተወለዱ ግን ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሰባት ካብ 2010 ክሳብ 2022 ብልዕሊ 15 ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ ልዕሊ 46 ሚሊየን ክብ ኢሉ ኣሎ።

"እዚ ወሰኽ እዚ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብቲ ዝነበሮ ዝለዓለ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ’’ ይብል ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲትዩሽን ላዕለዋይ ክኢላ ኣሰፋፍራ ህዝቢ ዊሊያም ፍረይ። "እዚ ወሰኽ እዚ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓሰርተታት ዓመታት ብፍላይ ከኣ ካብ1990 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣይኮነን’’ ይብል።

ቁፅሪ ኣብ ወፃኢ ዝተወለዱ ሰባት ካብ 1990 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ 19 ሚሊዮን ናብ 31 ሚሊዮን ደይቡ ነይሩ። ምስ ካብ 2010 ክሳብ 2022 ዘሎ ወሰኽ ብምንፅፃር ግን ካብ 40 ሚሊዮን ናብ46.2 ሚሊዮን ብምዕባይ ናይ 6.2 ሚሊዮን ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።

ፍረይ ከምዝሓበሮ እቲ ምንካይ ብሰንኪ ክልተ ቀንዲ ረቛሒታት እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG