ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ/ኣፍሪቃ ንሩስያ ኣጽዋር ምሻጣ ዘርእይ መርትዖ ከምዘይተረኽበ ፕረ. ራማፎዛ ገሊጾም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ- ፋይል
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎዛ- ፋይል

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪየል ራማፎዛ፡ ሓንቲ መርከብ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፅዋራት ፂዒና ዝብል ክሲ ኣመሪካ ድሕሪ ምፅራይ መርትዖ ከምዘይተረኽበ ትማሊ ሰንበት 3 መስከረም 2023 ገሊፆም።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሩስያ ኣፅዋራት ተገዓዒዙ ዝብል ክስታት ወላሓደ’ውን ሓቂ ንምዃኑ መርትዖ ክርከቦ ኣይተኻእለን” ኢሎም’ለው።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሩቡን ብሪግቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ሩስያ ናይ ፅዕነት መርከብ ለዲ አር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጥቃ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣፅዋራት ፅዒና ክብሉ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ገሊፆም ኔሮም’ዮም።እዚ ኽሲ’ዚ ኸኣ ዲፕሎማስያዊ ውጥረት ፈጢሩ’ዩ።

እዚ ብኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬንን ተኽእሎ ማዕቀባት ምዕራባውያንን ዘይሻራዊ’ዩ ኣብ ትብሎ መርገጺ ሕቶታት ኣልዒሉ’ዩ።

ሰበ-ስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ክሲ ቀልጢፎም ብምንፃግ ብሓደ ዳኛ ዝምራሕ መርመራ ከምዝተጀመረ ፕረዚደንት ራማፎዛ ገሊፁ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG