ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋምቤላ፡ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ንመዓስከር ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን በጺሐን


ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ዝገብራ ዘለዋ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ኬሊ ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዝርኸቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን በጺሓን።

ኣምባሳደር ሄሊ ግጭታት ተወሳኺ መጫጭሒ ጽንፈኛታት ክፈጥሩ ኣይንደልይን ክብላ እውን ተዛሪበን ኣለዋ።

ንሰን ኣብዚ ናይ ፈላማይ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደተን ናብ ኣብ ጋምቤላ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን በጺሓን ኣለዋ።

ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ትማሊ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺበን ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን አልዒለን ኣብ ዝተዘራርባሉ እዋን መንግስታት ዜጋታተን ሸለል ክብሉ የብሎምን ድሕሪ ምባል ዝለዓሉ ጎንጽታት መጫጭሒ ግብረ ሽበራዊያን ከምዝኾኑን ሃገረን ድማ ነዚ ከምይትደልይ ገሊጸን ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG