ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ አዲስ አበባ ዑደት ዘካይዳ ዘለዋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ ንሰላም ደቡብ ሱዳን ጻዊዒት ኣቕሪበን


ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኩልና ሓደ ድምጺ ክህልወና ይግባእ ክብላ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሄሊ ተዛሪበን።

ኣብ ጉዳይ ጸጥታ’ቲ ከባቢ ዘተኾረ ዑደት ንምክያድ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘምርሓ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትየን።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕ/ሃ: ንሰላም ደቡብ ሱዳን ጻዊዒት ኣቕሪበን
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:31 0:00

“ብመጀመርያ ኣብ አዲስ አበባ ብርግጽ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምህላው ተሓጉስና ኢና” ብምባል ዝተዛረባ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ: ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝበጽሓ ፈላመይቲ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ እየን።

ሎሚ ሶኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺበን ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ጸጥታ እቲ ኣህጉርን ዝተታሓዙ ጉዳያትን ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሰማስ ማቲ ተዘራሪበን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG