ኣዲስ አበባ —
ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ኩልና ሓደ ድምጺ ክህልወና ይግባእ ክብላ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሄሊ ተዛሪበን።
ኣብ ጉዳይ ጸጥታ’ቲ ከባቢ ዘተኾረ ዑደት ንምክያድ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘምርሓ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትየን።
“ብመጀመርያ ኣብ አዲስ አበባ ብርግጽ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምህላው ተሓጉስና ኢና” ብምባል ዝተዛረባ ኣምባሳደር ኒኪ ሄሊ: ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝበጽሓ ፈላመይቲ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ እየን።
ሎሚ ሶኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተረኺበን ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ጸጥታ እቲ ኣህጉርን ዝተታሓዙ ጉዳያትን ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሰማስ ማቲ ተዘራሪበን ኣለዋ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።