ናይጀርያ ናብ ናይ ቀደም ሃገራዊ መዝሙራ ትምለስ ኣላ። ገሊኦም ክድግፍዎ ከለዉ፡ ነቐፍቲ ግን ካብቲ ነታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ሸቕሊ ኣልቦነትን ኣንፈት ንምስሓት`ዩ ይብሉ።
ዝሓለፈ 29 ግንቦት ከም ቺመዜ ኡዋማ ዝበሉ ናይጀርያውያን ብንግህኡ ዝሰምዕዎ ዜና፡ እታ ሃገር ናብቲ ናይ መጀመርያ ሃገራዊ መዝሙራ ትምለስ ኣላ ዝብል`ዩ።
ቼመዜ ኡዋማ ንዝሓለፈ 40 ዓመታት ከይሰምዖ ዝጸንሐ መዝሙር`ዩ። ንሱ ናብቲ ኣብ ግዜ ናጽነትና ዝነበረ ሃገራዊ መዝሙር እንተተመለስና ጸገም የብለይን ይብል ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኒቡ ነቲ ሃገራዊ መዝሙር ናብ ዝነበሮ ምምላስ ዝብል ሕጊ ኣጽዲቕዎ'ዩ። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ስልጣኑ ግን ቁጠባ ናይጀርያ ተገዲዑ ከም ዘሎ ይግለጽ'ሎ። ከም ክለመንት ኢዙዋ ዝበሉ ናይጀርያውያን ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ርእይትኦም ክህቡ ከለዉ፡ ትሕዝቶ እቲ ግጥሚ ጽቡቕ እንተኾነ`ኳ፡ ሕጂ ናይጀርያ ብዛዕብኡ ክትሓስበሉ ትኽእል ግዜ ኣይኮነትን ዘላ ይብሉ።
እቲ ኣብ ግዜ ናጽነት ዝጸደቐ መዝሙር ብእንግሊዛዊት ነባሪት ናይጀርያ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ኣብ 1978 በቲ ሽዕኡ ወተሃድራዊ መራሒ ዝነበረ ኦሉሸገን ኣባሳንጆ`ዩ ተቐይሩ። ምኽንያት ኣይተዋህበሉን ግን ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ስለዝኾነ ከም ምኽንያት ተራእዩ ክኸውን እትጽበዮ ነገር`ዩ።
ዳይሬክተር መጽናዕቲ ንምዕባለ ኮመን-ወልዝ ኣንተኒ ኪላ፡ ናይጀርያ ሙዚቃን ስነ-ጥበብን ንዓለም ኣብ ትሰደሉ ዘላ እዋን፡ ናታ መዝሙር ካብ ወጻኢ ክተእቱ ምምራጻ ክትርድኦ ትኽእል ኣይኮነን ይብል።
"ኢምፐርያሊስቲካዊ ቋንቋ`ዩ። ሎሚ ተመልሲና ክንቅበሎ ዘሕፍር`ዩ" ዝብል ኣንተኒ ኪላ፡ እቲ ናይ ቀደም መዝሙር ንናይጀርያ ብዓሌትን ቀቢላን ዝገልጻ ምዃኑ ባህ ኣይብልን፡ ምኽንያቱ ምዕራባውያን ንነብሶም ብቀቢላን ብሄርን ኣይገልጹን`ዮም ይብል።
"ምዕራባዋያን ንባዕሎም ብብሄር ወይ ብደቀባት ኣይገልጹን`ዮም። እቲ ቋንቋ ንኻልኦት ጥራይ እዮም ዝጥቀምሉ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ እንተርኢና`ውን ነቲ ብሄር ወይ ቀቢላ ዝብል ኣምር፡ ንሰባት ከም ዘይሰልጠኑ ወይ ድሑራት ንምግላጽ እዮም ዝጥቀምሉ። እንግሊዛውያን ግን ነነብሶም እንግሊዛውያን እምበር ደቀባት ኢሎም ኣይገልጽዋን`ዮም። ስለዚ ኢምፐርያሊስቲካዊ ቋንቋ `ዩ። ሎሚ ተመልሲና ክንቅበሎ ዘሕፍር`ዩ።”
ካልኦት ከም ፋዳረ ግራሲዮስ ዝበሉ ናይጀርያውያን ግን ናብቲ ናይ ቀደም ሃገራዊ መዝሙር ምምላስ ጸገም ኣይኮነን ይብሉ።
"ናብዚ ናይ ቀደም መዝሙርና ምምላስና፡ ንናይጀርያ ንቕድሚት ዝደፍኣ`ምበር ንድሕሪት ዝመልሳ ኣይኮነን። እቲ ግጥምታት ዝህቦ ትርጉም ጽቡቕ`ዩ። ኣብዛ ሃገር ክንርእዮ ንደሊ ነገራት ብዝያዳ ዘብርሃልካ`ዩ.።"
እቲ ኣብ ግዜ ናጽነት ዝወጸን ሎሚ ድሕሪ 40 ዓመታት ዳግም ዝምለስ ዘሎን ሃገራዊ መዝሙር “ናይጀርያ ንፈትወኪ፡ መበቆል መሬትና፡ ሽሕ`ኳ ብሄርናን ቋንቋናን ይፈላለ፡ ብሓድነት ደው ክንብል ኢና...” ኢሉ እዩ ዝጅምር። በዓል ሞያ ንግዲ ቺመዜ ኡዋማ፡ ንክልቲኡ ኣገናዚቡ ክዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ`ቲ ግጥሚ ጸገም የብለይን፡ ንትግብሮ`ዶ ኣለና ዝብል ግን ካልእ ሕቶ`ዩ፡ ብዛዕባ ሕውነት ክንዛራብ እንተኾይና፡ መጀመርያ ኮፍ ኢልና ፍልልያትና ክነጽብብ ኣለና ይብል።
ቅጥዒ