ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሓማዱ ቡሓሪ ቀፃሊ ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ ብምዃን ተዓዊቶም


برداشت زعفران از زمین های زیر کشت در قاینات در خراسان جنوبی
برداشت زعفران از زمین های زیر کشت در قاینات در خراسان جنوبی

ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ስልኪ ብምድዋል እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኢሎምዎም ኣለው ንተዓዋታይ ሙሓማዱ ቡሓሪ።

ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ተዓዋቲ ብዕሊ ኣይኣወጀን።እንተኾነ ግን ወግዓዊ ውፅኢት እቲ ምርጫ ቡሓሪ ብገፊሕ ኣፈላላይ ከምዝመርሑዎም ይገልፅ።ቡሓሪ ኣብ 36 ክፍለግዝኣታት ናይጀሪይ ኣብ መብዛሕቲአን ተዓዊቶም ኣለው።ብልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ድምፂ ይመርሑዎም ንጉድላክ ጆናታን።

ዓወት ቡሓሪ ን16 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ህዝባዊ ዴሞክራሲታዊ ፓርቲ/PDP/ ዘብቅዕ እዩ።

72 ዓመት ዝዕድሚኦም ቡሓሪ ብመፍንቅለ መንግስቲ ኣብ 1983 ኣ/ፈ ስልጣን ብምሓዝ ን20 ኣዋርሕ ወታደራዊ መራሒ እዮም ነይሮም።ፀኒሑ ንሶም እውን ብኻሊእ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም።

ደገፍቲ ሙሓማዱ ቡሓሪ ታሕጓሶም ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ሰራሕተኛ መጎዓዚያ ማቲ ካማራዲንን ካሊእ ዓርኩን ኣዚዮም ከምዝተሓጎሱ ይገልፁ።

ጓል 30 ዓመት ጆሃና ኣንድሪው ሕጉስቲ ምዃናን ቡሓሪ ከምዝስዕሩ ኣቐዲማ ከምዝፈለጠትን ትገልፅ።

‘’እቲ ውድድር ካብ ዝጅመር እዚ ሰብ እዚ ከምዝዕወት ርግፀኛ ነይረ’’ ዝበለት ንሳ ብምስዓብ ‘’ምኽንያቱ ቅድሚ ሎሚ ነታ ሃገር መሪሑዋ እዩ።ዋላ ህፃን እንተነበርኩ እውን ብዛዕብኡ ሰሚዐ እየ።ነዛ ሃገር ብዝግባእ መሪሑዋ እዩ።ግዕዝይና ኣይንበረን።ዝሕግዘካን ዝከናኸነካን ሰብ እዩ’’ትብል።

ሙርታላ ዝተብሃለ መምህር እውን እዛ ሃገር እዚኣ ለውጢ የድልያ እዩ ክብል ዕግበቱ ገሊፁ’ሎ።

ናይ ፕሬዝዳንት ቡሓሪ ዓወት ኣብ ስልጣን ናይ ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ጉድላክ ጆናታን ካብ 1999 ኣ/ፈ ጀሚሩ ዝመርሕ ዝነበረ ፓርቶምን ዘብቅዕ እዩ።

ቡሓሪ እውን ድሕሪ 30 ዓመታት ናብ ስልጣን ደይቦም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ህዝቢ ናይጀሪያ ስቪካዊ መሰሎም ብምፍፃሞም እንኳዕ ኣሐጎሰኩም ኢሎም ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጆሽ ኤርነስት።

XS
SM
MD
LG