ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ናይጀሪያ ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን በብታራ ፕረዚደንት ናይ ምቕራብ ልምዲ ዘብቕዐ ይመስል


ፕረዝደንት ናይጀሪያ ጉድላክ ጆናታን ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሚያዝያ ኣብዝካየድ ምርጫ ሕፁይ ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ኮይኖም።

እዚ ናይ ፕረዝደንት ጆናታን ስዓራይነት ሕፀ ገዛኢ ፓርት ህዝባዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ እቲ ፓርቲ ፕረዝደንታዊ ሕፁዩ ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን በብታራ ናይ ምቕራብ ልምዲ ዘብቕዐ ይመስል።

እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝሞቱ ፕሬዝዳንት ኡማሩ ያራዱዋ ሒዞምዎ ዝነበረ ስልጣን ካልኣይ ዙር ፕረዝደንታዊ ዘመን ንሰሜን ናይጀሪያዊያን ካሊእ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ስልጣን ዘመን ዝሃብ ዕድል እዩ ነይሩ።ከም ተወላዲ ደቡብ ናይጀሪያ ፕረዝደንት ጆናታን ፕረዝደንት ያራድዋ ምስሞቱ ነቲ ልሙድ ኣካይዳ ተኸራኺሮምዎ እዮም።

ፕረዝደንት ጆናታን ነቲ ሕፀ ትማሊ ተቐቢሎምዎ።ሽዑ ንሓድነት ብምፅዋዕ ንናይቲ ፓርቲ ተነሓናሕቶም ንሳራ ጂብሪልን ንኣቲኩ ኣቡበክርን ንትብዓቶም ኣሞጊሶም።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ነበር ኣቡበክር ቀንዲ ተነሓናሒ ፕረዝደንት ጆናታን'ዮም ነይሮም። ሚስተር ኣቡበክር ቅድሚ እቲ ምርጫ ንተወከልቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ምሕፅንታ ፕረዝደንት ጆናታን ናይቲ ፓርቲ ስምምዕ ብዘይምኽባሮም ዘይእመኑ ምዃኖም መረጋገፂ እዩ ኢሎም ነይሮም።

ፕረዝደንት ጆናታን ነዚ ናይ ሚስተር ኣቡበክር ዘረባ መልሲ ኣይሃቡሉን።ብዛዕባ መቐሎ ስልጣን እውን ብቐጥታ ኣይጠቐሱን።ንግዕዝይና ብምውጋእ ኣብ ምምሕያሽ ፀጥታን ኢኮኖምን እታ ሃገር እዮም ኣተኪሮም።

XS
SM
MD
LG