ዋሽንግተን —
ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ዜጋታት ኒጀር ነቲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ዝድግፉ ዜጋታት ኒጀር ናብ ርእሰ-ከተማ ኒያመ ብምውሓዝ፡ ባንዴራ ሩስያ ክንበልብሉን ንመራሒ ሩስያ ዝምጕስ ጭርሖታትን ትማሊ ሰንበት የስምዑ ምንባሮም ወኪላትና ካብቲ ቦታ ጸብጺቦም። እቶም ናብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብታ ሃገር ዝመርሑ ጕጅለ፡ ኣብቲ መናድቕ ባንዴራ ሩስያን ኒጀርን ክሰቕሉ ተራእዮም ኣለዉ።
ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሑ ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ መንግስቲ ፈረንሳይ ነቲ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ባዙም ንምምላስ ትልሚ ከም ዘለዎ ከሲሱ ኣሎ።
ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን፡ ነቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ፕረዚደትን ባዙም ናብ መዝነቱ ክምለስ ጸዊዖም ኣለዉ።
ዞባዊ ኪዳን ኤኮዋስ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወታሃደራዊ ጕጅለ እግዳ ብምግባር፡ ናብ ንቡር ኩነታት ክመልሱ ናይ ሓደ ሰሙን ዕድል ሂቡ ኣሎ። ንሱ ምስ ዘይፍጸም፡ እንኮላይ ብሓይሊ ሓዊሱ ስልጣን ናብ ዝግበኦ ክምለስ ምዃኑ እቲ ኪዳን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ቅጥዒ