ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ፈራዶ ኒውዮርክ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ክኽሰሱ ወሲኑ


ክልተ ጊዜ ካብ ስልጣኖም ንክእለዩ ዝተወሰነሎም ግን ዘይተኸሰሱ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፣ አብ ታሪኽ ኣመሪካ ንፈለማ ጊዜ ገበናዊ ክሲ ዝቀረቦም ፕረዚደንት ነበር ኮይኖም።

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዘምጸኦ ሳዕቤን ብዘየግድስ፣ ኣብ ኒውዮርክ ዝተጋበኣ መስርሕ ፈራዶ (ግራንድ ጁሪይ)፣ ትማሊ ሓሙስ አብ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ትራምፕ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ እዋን ፕረዚደንታዊ ውድድር ንሓንቲ ምስለ ጽዩፍ (ፖርኖግራፊ) ትሰርሕ ውልቀ ሰብ ገንዘብ ከፊሎም'ዮም ተባሂሎም እዮም ተኸሲሶም።

ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ክሲ ዝቐርበሎም ዘሎ ተመሊሶም ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ንምእታው ጎስጓስ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን እዩ።ትራምፕ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዶም ተመሊሶም ንዳግማይ ምርጫ ዝተላዓሉ፣ ከምኡ'ውን ዝተኸሰሱ ቀዳማይ ፕረዚደንት ገይሩዎም አሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ ትማሊ ከምዝገለጾ ‘ትራምፕ፣ ኢዶም ዥብሉ ኣገባብ ምስ ጠበቀዖም ንዘራረብ አለና’ ከምዝበለ ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ግብረ መልሲ ምኽሳስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተሓዋወሰ ኮይኑ አሎ። ኣባላት ፓርቲኦም ሪፐብሊካዊያን ንዓቃቢ ሕጊ ‘ጸግዒ ዝሓዘ’ መጥቃዕቲ ክብልዎ ከለው ዴሞክራሲያዊያን ድማ ‘ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ክኾን ኣይግባእን’ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG