ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓተቲ ዑቕባ እስራኤል ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ይቃወሙ


ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ንፓርላማ እስራኤል ኣብ ዝቐረበሉ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ (ፋይል)
ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ንፓርላማ እስራኤል ኣብ ዝቐረበሉ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ (ፋይል)

ሃገረ እስራኤል ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ በበይኑ እዋን ብትኽተሎ መርገጺ ክትንቐፍ ዝጸንሓት ሃገር’ያ።

ካብ 2008 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ እስራኤል ንመነባብሮ ኣብታ ሃገር ዘለው ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባ ዝዕንቕፍ ዝተፈላለየ ሕግታት ክሕልፍ ጸኒሑ’ዩ።

ካብቲ ሕግታት ሓደ ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ሓተትቲ ዑቕባ “ኩነታዊ ቪዛ” ወይ “conditional visa” ክሕዙ እዚ ድማ እዞም ሓተቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ክጸንሑ መሰል ዝህብ ግን ኸአ ብዘይኻ ኣብ እዋን ህጹጽ እዋን ካብ ዝኾነ ዓይነት ሰብኣዊ ኮነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከይረኽቡ ዝኽልክል እዩ። በተወሳኺ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ እስራኤል ክሰርሑ ኣይፈቕድን ፡ ኣብ ስራሕ ምስ ዝርኸቡ ድማ አስራሕቲ ክቕጽዑ ጸኒሖም’ዮም። በዚ ድማ ሓተቲ ዑቕባ ናይ ስራሕ ዕድል ከይረኸቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ዓ.ም ዝትግበር ሓድሽ ሕጊ መንግስቲ እስራኤል ድማ ካብ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋ ሰራሕተኛ ኣብ እስራኤል 20 ሚእታዊት ቀረጽ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ዝመሓደር ሒሳብ ገንዘብ ተቖሪጹ ክውሕለል ፡ እቲ ሰራሕተኛ/እታ ሰራሕተኛ ካብ ሃገር ኣብ ዝወጽሉ ወይ ድማ ናይ ስደተኛ ፍቓድ ኣብ ዝረኸብሉ ክወሃብ እዚ ምስ ዘይኸውን ድማ ብመንግስቲ ክውረስ ኣዚዙ። ብተወሳኺ እዚ ሕጊ ካብ ኣስራሕቲ’ውን 16 ሚእታዊት ክቑረጽ እዚ ድማ ሰራሕተኛታት ዝረኽብዎ ዝነበረ ኣገልግሎታት ከም ጥሮታን ትሕጋግን ዘጠቓልል ማለት እዩ።

ኣቐዲሙ እዚ ሕጊ ንስራሕ ናብ ሃገረ እስራኤል ዝኣትው ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ክትግበር ዝጸንሓ ኮይኑ ሕጂ ግን ካብ ወርሒ ግንቦት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ክትግበር’ዩ።

ነዚ ሓድሽ ሕጊ ንሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብኸመይ ከምዝጸልውን እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ብዝምልከት ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ደቂ ኣንስትዮ ተጣባቂ መሰላት ዝኾነን ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት እስራኤል ጽሑፋት ዘበርኽት ተኽሊት ሚኪኤል ነቲ ሓድሽ ሕጊን ህልው ኩነታት ከምዚ ክብል ይገልጽ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሆትላይን ንስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ዝተባህለ ንመሰላት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ እስራኤል ዝሕለቕ ትካል ከም ተጣባቒት መሰላት ትሰርሕ ኖሃ ኮፍማን ብዛዕባ’ዚ ተራ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት (UNHCR)ን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ኣብ ትግባራ ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ትገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓተቲ ዑቕባ እስራኤል ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ይቃወሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:48 0:00

XS
SM
MD
LG