ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ዳግማይ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ይዕወቱ


ትራምፕ ዳግማይ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ይዕወቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00

ትራምፕ ዳግማይ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ንሕጹይ ሪፖብሊካን ፓርቲ ይዕወቱ

መረፅቲ ክፍለ ግዝኣት ኒው ሃምሸር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንሕፁያት ሪፖብሊካን ፓርቲ ወሳኒ ዝኾነ ዓወት ሂቦም ኣለው። እዚ መባእታዊ ምርጫ ነቲ ኣብ 2024 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ናብ ዘምርሑ ምርጫታት ሓደ እዩ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ሕፁይ ሪፓብሊካዊያን ንክኾኑ መረፅቲ ድምፆም ሂቦምዎም። ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኣዮዋ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተዓወቱ ትራምፕ ትማሊ ድማ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኒው-ሃምሸር ዳግማይ ተዓዊቶም ኣለው። ንሶም ኣብቲ ናይ ዓወት መደርኦም ኣብ ሕዳር ንዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕጹይ ኮይኖም ከምዝቐርቡ ዘርእይ'ዩ ኔሩ።

"ንባይደን ስዒርናዮ ኢና። ከምኡ ኢልና ክንፅውዖ ንኽእል ይመስለኒ፦ ሓቀይዶ፧ ኢሚግሬሽን ዓብይ ዛዕባ እዩ፥ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ሚሊዮናት ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ሃገርና ይውሕዙ እዮም ዘለው።"

ደገፍቲ ትራምፕ እውን ደገፎም ዘጉድሉ ኣይመስሉን። ክሪስ ኮምፓስ ኣብ ኩለን ምርጫታት ንዶናልድ ትራምፕ ድምፁ ሂቡ።"ነዚ ሰብ እዚ ህይወተይ ኣሕሊፈ ክህብ እየ" ድማ ይብል።

ኣንፃር ትራምፕ ዝተወዳደራ ኒኪ ሃይሊ እቲ ውድድር ገና እዩ ይብላ።"እዚ ውድድር እዚ ገና ኣይተዛዘመን። ገና ብዓሰርተታት ዝቑጸር ክፍለ ግዝኣታት ተሪፈን ኣለዋ።"

ጀሲካ ሚናሲያን ኣባል ክልቲኡ ፓርት ዘይኮነ ወሃቢት ድምጺ እየን። "ልክዕ ከም መብዛሕትና ካልእ ኣማራፂ ኢና ንደሊ ኣለና። ዝተኸፋፈልና ንኹሉ ሰብ ናብ ሓደ ስሒቡ ኩላትና ከም ኣመሪካዊያን ክተሓባብረና ዝኽእል ሰብ ኢና ንደሊ ዘለና" ድማ ይብላ።

ዲሞክራት እውን ናይ ባዕሎም ሻቐሎት ኣለዎም።

ካብዚ ቀፂሉ ኩለን ኣዒንቲ ዝቕፅል መባእታዊ ምርጫ ናብ ዝካየደላ ናብ ደቡብ ገፀን እየን ዘቋምታ ዘለዋ።

ክሪስ ጋልዲየሪ ኣብ ሰይንት ኣንሰልም ኮሌጅ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሳይንስ እዩ።"ንትራምፕ ሳውዝ ካሮላይና ሓንቲ ካብ መወዳደርቱ ኒኪ ሃይሊ ኣብ ገዛእ ክፍለ-ግዝኣታ ክስዕር ከምዝኽእል ዕድል ዝህቦ ኣጋጣሚ እዩ" ይብል።

ናይሃይሊ ቀፃሊ ወፍሪ ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ክጅምር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG