ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደረ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ዶ/ር ማርቲን ሉተር ኪንግ


Wahington, D.C.
Wahington, D.C.
ኣብ ቃልሲ ሲቪላዊ መሰላት ዝተሳተፉ ሰባት ንዝተፈለየ መንገዲ መሪፆም።ኣብ ቅድሚ ክፍኣት ብትብዓት ደው ኢሎም።ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጠጊጎም ኣትዮም።ኣምላክ ንዝሃቦም ክብሪ ብካልእ ክምንጠሉ ኣይመረፁን።እዚ‘ዩ እቲ ዘረከቡና መንፈስ።ከም‘ቲ ጆን ሉዊስን ካልኦትን ናብ ማሕበረ-ሰባት ዘማሓላለፍዎ መንፈስ ኢሎም ንሶም።

እምቢታ፣መስርሕ ምዝገባ ንምርጫ፣ኣብ በርሚግሃም፣ኣብ ዳላስ፣ካሊፎርንያ፣ ሜምፍስ ዝተፈፀመ ቅትለት።ኩሎም ንብዓት ዘፍሰሱ ፍፃመታት፣ንሓቦኦም ኣይቀተሎን።

ሳላ ንሳቶም ናብ ሰልፊ ዝወፁ፣ናብ ምርጫ ዝወሓዙ፣ኣብያተ-ምኽሪታት ኣሜሪካ ተለዊጦም፣ኣሜሪካ ዝያዳ ናፃ ወፂኣ።ኩሉ ህዝቢ እስላም፣ ክርስትያን፣ኣይሁድ ንኩላትና ተሪፎም‘ዮም ኢሎም።

እቶም ዝተዓወቱ ተቃለስቲ ተስፋ ክቆርፁ ምኻኣሉ።ግና ኣይመረፁን።ኣብ ዓውዲ ኲናት ፍትሒ፣ንኩላትና ናፃ ዘውፀአ ፍፃመ ተመዝጊቡ።ኩላትና ርሂውናሉ ኢና ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ።ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ሃገር‘ውን ክትምስረት ሓጊዙ‘ዩ።

ግን ንእሽተይ‘ዩ እቲ ለውጢ ዝብሉ ሰባት ኣለው።እቶም ዝሓለፉ ግና ብከንቱ ኣይሓለፉን።ዓወቶም ተረጋጊፁ‘ዩ።ነቲ ዝተረኸበ ዓወት ንምዕቃብ፣ ምምራር ዘይኮነስ ተጊህካ ምስላፍ‘ዩ ዘዋፅእ።ትብዓት’ዩ ዝሓትት ኢሎም።

ንጊዚኡ‘ውን ዋጋ ክንከፍል ኣለና።ሰባት ካብ ዝመፁ ይምፅኡ ዋጋ ከፊሎም‘ዮም።ኣብ ገለ እዋን፣ሲቪላዊ መሰላት ክጋሃሱ እንተኾይኖም ካልኣይ ወፍሪ ዝሓትት ክኸውን ይኽእል‘ዩ።ከምኡ ክንብል ከለና ዘይጋሃድ ነገር ኣይንሓትትን ዘለና።ንቁጠባዊ ዕድላት ኢና ንሓትት ዘለና።ናፅነት ምስ ሰብ ዝተኣሳሰር‘ዩ ክባሃል ከሎ፣ዕድላት ክፍጠሩ ኣለዎም ክባሃል ከሎ፣ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ኢሎም ፕረዚደንት ኦባማ።
XS
SM
MD
LG