ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 764 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም


ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓኖም ኣስታት 764 ስደተኛታት ኣብ ወደባዊት ከተማ ካላብሪ ምእታዎም ተሓቢሩ።

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ኣስታት 764 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:09 0:00

እቶም ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ምኳኖምን ማእከላይ ባሕሪ ንምቁራጽ ኣብ ዘካየድዎ ጉዕዞ ድማ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ህጻናትን ምሟቶም ተገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ፓኪስታን፡ሶማል፡ኤርትራ፡ናይጀርያ፡ሱዳን፡ሊብያ፡ባንግላዴሽ፡ ቻድ፡ጊኒ፡ኣልጀርያ፡ግብጺ፡ማሊ፡ኣይቨሪኮስት፡ኔፓል፡ሞሮኮ፡ጋና፡ካሜሮን፡ኬንያ፡ኒጀር፡ሴኔጋል፡ሰራሊዮን፡ኢትዮጵያ፡ስሪላንካ፡ሶርያ፡ ጆርዳንን ሊባኖንን ምኳኖም ሓቢሮም።

ካብቶም ቀዳም 4 ሕዳር,2017 ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት 555 ደቂ ተባዕትዮ ፡112 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ካብኦም 63 አላይ ዘይብሎም 97 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ካብቶም ዝደሓኑ 14 ሰባት ብሰንኪ ዘጋጠሞም ናይ ባርዕ ቆስሊ ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ 23 ሰባት ምጥሓሎም ካልኦት 64 ስደተኛታት ድማ ብጀልባ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ምድሓኖም ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG