ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ


ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00

ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ

ልዕሊ 1,000 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሓሙስ 15 ሰነ, 2017 ዓ.ም ብህይወት ኣድሕን መርከባት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ምድሓኖም ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ገሊጹ።

ካብቶም ዝደሓኑ ዝበዝሑ ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃን ዜጋታት ባንግላዴሽ ምኳኖም ተገሊጹ።

ብካልእ ወገን ትማሊ ሓሙስ ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮኣክቲቭያ ኦፕን ኣርምስ ኣብ ናይ ትዊተር ማህበራዊ መራኸቢ እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ እዋን ህይወት ኣድሕን ንሰማይ ከምዝተኾሱን እንተኾነ ኣብ ንእሽተይ ጀልባ ካብ ዝነበሩ 11 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ጉድኣት ከምዘይወረደ ገሊጾም።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልያን ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ ቁጽሪ ናብ ጣልያን ዝአትው ዘለው ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ብ 8 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG