ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 700 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ ብግምት 700 ዝኾኑ ፍልሰተኛታት ትማሊ ብናይ ህይወት ኣድሓን መርከብ ናብ ወደብ ቺቺልያ ድሕሪ ምጽግዖም ታሕጓሶም ብጭደራ ይገልጹ ኔሮም። ዝመረተት ጃልባ እቶም ስደተኛታት ነዳዲ ወዲኣ ምንባ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ኣብዚ ቀዳማይ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ዝበዝሐ ሞት ስደተኛታት ዝተራእየሉ ምዃኑ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ስደተኛታት(ኣይ.ኦ.ኤም) ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ መንጎ ምኽንያታት ሓደ ድማ ብመንግስታት ዝግበር ምድንጓይ ምድሓን ምዃኑ ኣይ.ኦ.ኤም ይገልጽ።

ኣብ 2017፡ ኣብቲ ቀዳማይ ሰለስተ ኣዋርሕ 742 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ኣብ 2015 ድማ 446 ሰባት ኣብቲ ባሕሪ ምጥላቖም ኣይ.ኦ.ኤም ኣዘኻኺሩ`ሎ። ብየማናይ ክንፊ ዝምራሕ መንግስቲ ኢጣልያ ድማ ንኩነታት ዋሕዚ`ዞም ስደተኛታት ብዝምልከት ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ህጹጽ እዋን ኣውጺኡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG