ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ትእውጅ


ፋይል
ፋይል

ብየማናይ ክንፊ ዝመራሕ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ማያት እታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁፅፃር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ሃገራዊ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ።

ብመሰረት ጸብጻብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ፍሉይ ኮሚሽን ክምስረት ትፅቢት ይግበር። ከም ኣካል ናይቲ ስራሕ ብቀዳመይቲ ሚንስትር ጂዮርጅያ መሎኒን ካብኒአንን 5.5 ሚሊዮን ዶላር ተመዲቡ ኣሎ።

ንሰን ድሕሪ ኣኼባ ካብነ መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መገልፂ ኣብ ንእሽተይ ደሴት ማእከላይ ባሕሪ መዕቖቢ ስደተኛታት ኣዕለቕሊቑ እቲ ጉዳይ ፍሉይ ስጉምትታት ስለዘድለዮ እዩ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣድልዩ ዘሎ ኢለን።

እቲ መግለፂ መንግስቲ ንመዕቖቢን ንመስርሕ ክባረሩ ዘለዎም ፍለስተኛታትን ዝኸውን ህንፃታት ምስራሕየድሊ እዩ ይብል።

ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ኢጣልያ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ኣስታት 31,000 ስደተኛታት ብሓገዝ ወታሃደራዊ ጀልባታት ኢጣልያ ወይ መራኽብ ገበርቲ ሰናይ ወይ ድማ ብዘይሓገዝ ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ኣለው ።

ዝበዝሑ ኣብታ ደሴት ዝበፅሑ ዘለው ስደተኛታት ካብ ኣይቨሪኮስት፣ ጊኒ፣ ፓኪስታን፣ ግብፂ፣ ቱኒዚያን ባንጊላዲሽን እዮም።

XS
SM
MD
LG