ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩለን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ቅልውላው ይፅበየን ከምዘሎ ተንተንቲ ይገልፁ


(AP Photo)

ዞባ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ምንዋፅ'ዩ ዝርከብ

ኣብ ቱንዝያ ዝተፈፀመ ብቐረባ ካብዝከታተሉ ሰባት ኣብ ካይሮ ኣብ ቱሪዝም እትሰርሕ ናዲያ ሓንቲ እያ።ዘይምዕዳል ኮይኑ ሃገራት ዓረብ ናይ ሓባር ሽግራት ኣለወን ትብል ናዲያ።

ናድያ ወሲኻ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሓደ ኣብነት እዩ።ዝለዓለ መጠን ስራሕ ኣልቦነት ኣሎ።ህዝቢ ንነውሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ውልቀምልኪ ስልዝርከቡ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ነፃነት የለን።ንኣብነት ኣብ ግብፂ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ይርከብ።ንፈለማ ግዜ ሓደ መንእሰይ ኣብ ፊት ንፊት ፓርላማ ንዓርሱ ብሓዊ ኣንዲዱ ሰሚዕና ትብል።

እቲ ኣብ ካይሮ ዝተፈፀመ ንባዕልኻ ናይ ምንዳድ ስጉምቲ ኣብ ቱኒዝያ ዝተጀመረ መግለፂ ተቓውሞ እዩ።ኣብ ሞሪታኒያንን ኣልጀሪያን እውን ተደጊሙ።እቲ ተስፋ ምቑራፅ ናብ ስጉምቲ ተለዊጡ ፕሬዝዳንት ቱኒዝያ ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ኣገዲዱዎም።ኣብቲ ዞባ ብዝተሓተ መጠን እንተኾነ’ውን ህዝባዊ ቑጥዐ ኣለዓዒሉ።ኣብ ካይሮ ዩኒቨርስቲ ኣሜሪካ ፕሮደሰር ዝኾኑ ሰይድ ሳዲቅ እዞም ፍፃመታት እዚኦም ኣብ ሃገራት ዓረብ ንዘሎ ተቓውሞ ከምዘጠናኽሩ ይዛረቡ።

ንሶም ክዛረቡ ከለው ነቲ ለውጢ ክመርሑ ከምዝኽእሉን ልወጢ ከምፅኡ ከምዝኽእሉን ተስፋ ምሕዳር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ናይግድን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዘይክኸውን ይኽእል።ታሪኽ ብተመሳሳሊ ንዓርሱ ኣይደግምን በሉ።

ቱኒዝያ ብብዙሕ መልክዕ ካብ ኣህገራት ዓረብ ዝተፈለየት እያ።ምስ ነዳዲ ብዘይተእሳሰረ ቁጠባ ዝጠንከረ ማእኸላይ እቶት ዘለዎም ዝለዓለ ደርጃ ትምህርቲ ማዕረ መሰላት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣሎ።


ቤይሩት ኣብዝርከብ ማእኸል ካርነጂ ማእኸላይ ምብራቕ ዝሰርሑ ኣሚር ሃምዛዊ ኣብ ፕሬዝዳንት ነበር ቱኒዝያ ዝነበረ መጠንን ዓይነትን ግዕዝይና ኣብቲ ዞባ ምስ ዘለዉ ካልኦት መራሕቲ ይፈላለ እዩ ይብሉ።ኣብ ቱኒዝያ ዝነበረ ግዕዝይና ምስ ናይቶም ፕሬዝዳንት ቤትሰብ ዝተኣሳሰረ እዩ።

ሃምዛዊ ወሲኹ ሓቂ እዩ ኣብ ግብፂ ግዕዝይና ኣሎ።ነገር ግን እቲ ግዕዝይና ንሰፊሕ ኽፋል ማሕበርሰብ ዝረብሕ እዩ።ሸውዓተ ሸሞንት ሰባት ጥራሕ ኣይኮኑን።ሽዱሽተ ሸውዓተ ወይ’ውን ዓሰርተ ሚእታዊ ሓፈሻዊ እቲ ህዝቢ ክኸውን ይኽእል።ኣብ ሞሮኮን ኣልጀሪያን እውን ተመሳሳሊ እዩ ባሃላይ'ዩ።

ናይዚ ብልሽውና ተረባሕቲ ሓይልታት ፀጥታ እዮም።ሃምዛዊ ኣብ ቱንዝያ ከምኡ ከምዘይነበረ ይዛረብ።እቲ ሰራዊት ካብዚ ወፃኢ ነይሩ።እንተኾነ’ውን ናይ ሰራዊት ደገፍ ዘለዎም መንግስታት እውን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እናተኸታተልዎ እዮም።ናይ ካይሮ ዩኒቨርቲ ኣሜሪካ ፕሮፌሰር ሳዲቅ ናይ ዓረብ ነባር ውልቀመላኺ ዝበሉዎም መራሒ ሊብያ ሞኣመር ጋዳፊ ኣብኡ ዝተፈፀመ ንምንፃግ ፈላሚ ነይሮም።

ሳድቕ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ መንግስታት ካዝብተፈፀሙ ጌጋታት ንምምሃር እናፈተኑ እዮም።ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ናህሪ ዋጋን ብምውጋድ ኩነታት ንምዝሕሓል እናፈተኑ እዮም።ነቲ ዘይተርፍ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ለውጢ መናውሒ ክኸውን ይኽእል።ከትርፎ ግን ኣይኽእልን ክብል ይገልፅ።


:ሃገራት ዓረብ ብፍላይ ድማ ሰሜን ኣፍሪካ ኣብ ቱኒዝያ ብዝተፈጠረ ፍፃመ ቀልበን ዝተስሓባ ይመስላ። ኤልሳቤት ኣሮት ካብ ካይሮ ዝለኣኸቶ ገብረ ከቕርቦ እዩ።

ኩለን ሃገራት ቅልውላው ይፅበየን ኣሎ።መዓስ ይኸውን? ከመይ ይፍፀም ዝብል ግን ጊዜ ዝምልሶ እዩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG