ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ሃገራት ዓረብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰተሉ ምኽንያት የለን ኢሎም ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ


መለስ ዜናዊ
መለስ ዜናዊ

ግን ሀውከት ንምፍጣር ድልየት ዘለዎም ውሽጣዊን ደጋዊን ሓይልታት ኣለው ኢሎም

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ውጥረት ዘናኽሱን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘባርዑን ብዙሕ ዘይፍለጡ ኣኽረርቲ ሙስሊማት’ዮ ክብሉ ከሲሶም።ኣቶ መለስ ብዛዕባ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ሻቐለቶም ክገልፁ ከለው ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪካ ዘጋጠመ ዓመፅ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይልዓልን ይብሉ።

ቀዳማይ ሚንስቴር መለስ ዜናዊ ንከባቢ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ዘበነ ስልጣን ኢህወደግ ንኸብቅዕ ካብ ደገን ካብ ውሽጥን ፈተነታት ምህላዎም ከምዝርድኡ ይገልፁ።እንተኾነ ግን ይብሉ ምስ ሪፖርተራት ኣብዘካይድዎ ቃለ መጠይቕ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት ሰሜን ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ህዝባዊ ዓመፅ ኣብ ኢትዮጵያ ክልዓል ይኽእል እዩ ንዝብል ሪኢቶ ነፂግምዎ።

“ፈፂሙ ዘይክኣል እዩ።ከምኦም ዝበሉ ኩነታት ኣባና የለውን።እዚ ማለት ግን ኣይፍተንን ማለት ኣይኮነን” ኣቶ መለስ ዜናዊ።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ተኸተልቲ ምስልምና ኣብዝበዝሕሉ ከባቢ ክልል ኦሮምያ ኣብ ቀረባ ንዝተፈፀመ ዓሰርተታት ኣብያተ ክርስቲያን ናይምንዳድ ስጉምቲ ሻቐሎቶም ገሊፆም።

ኣቶ መለስ ዜናዊ ነቲ ህውከት ብምልዓል ንኣኽራሪ ጉጅለ ክዋርጅ ኸሲሶም።

ብጠንቂ'ቲ ኣብ የመን ይካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ሕግን ስርዓትን የመን ናይ ምፍራስ ሓደጋ እንተጋጢሙዎ ኣብታ ሃገር መደብሩ ዝገበረ ኣልቃይዳ ንኽስፋሕፋሕ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥረሉን ኣልሸባብ ደገፍ ዝረኽበሉ ክኸውንን እዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቀስን ምስ ኣልቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎን ጉጅለ ናዕበኛታት፣ብወታደራት መንግስትን ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ይካየድ ኣብዘሎ መጥቓዕቲ፣ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማሊያ ተላኢኾም ንዝብል ኣበሃህላ ይነፅጉ።ኣብ ዶብ ምስ ሶማሊያ ይካየድ ኣብዘሎ ግጭት ኢትዮጵያ ምስታፋ ንዝሕብሩ ፀብፃባት ግን ኣወንታ ሂቦምሉ።

XS
SM
MD
LG