ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ


ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን መጥምቃውያን ኣቢስንያ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት፣መራሒ ኢትዮዽያ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝተፈላለየ ትርጉም ከምዝነበሮ ዝሓበረ’ዩ።ብደረጃ ኣፍሪቃን ኢትዮዽያን፣ ድኽነት ንምውጋድ ዝገበርዎ ፃዕሪን ብቅዓት ኣመራርሖምን፣ኣብ ኢትዮዽያ ዘመዝገብዎ ቁጠባዊ ዕብየትን ገዲፎምዎ ዝሓለፉ ሰናይ ግብሪታትን ተጠቂሶም‘ዮም።

ብካልእ ወገን፣ኣቶ መለስ ንኢትዮዽያ ኣብ ዝመርሑለን ፳፩ ዓመታት፣ መስርሕ ዴሞክራሲ‘ታ ሃገር ምጉታቱ፣ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝሓመቀን ናፅነት ትካላት ዘይምህላውን ዝጥቀሱ ኣሉታዊ ነጥብታት ኮይኖም‘ለው።

ኣብ ቤተ-ክርስትያን መጥምቃውያን ኣቢስንያ ፃውዒት ተገይሩሎም ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን፣ንዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ኮፊ ኣናን፣ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሱዘን ራይስ፣ፍሉጣት ምጣንያዊ ኪኢላታትን ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ኣብ ኒውዮርክን ገሊኦም‘ዮም።

ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን፣መንግስቶም ኣብ መትከላት ዴሞክራስን ነፃነትን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን ይብሉ።ተቃወምቲ ኢትዮዽያ፣መንግስቲ ኣሜሪካ ስለ ረብሕኡ ኢሉ፣ነቶም መትከላት ይሸራርፎም‘ሎ ኢሎም ንዘቅርብዎ ቅሬታ እውን ሪኢቶኦም ሂቦም‘ለው።

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዓመታዊ ሪፖርት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮዽያ ምርኣይ ይካኣል‘ኮ‘ዩ።እዞም ዝዝረበሎም ዘሎ ብንፁር ሰፊሮም‘ለው።ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ክዛረቡ ከለው፣ኣብ ኣደባባይ እንተኾይኑ ልስሉስ ቋንቋ እዮም ዝጥቀሙ።ምስ መራሕቲ ኣብ ዕፁው ኮይኖም ግና፣ብርቱዓት ቃላት እዮም ዝጥቀሙ።ስለዚ መብዛሕትና ነቲ ኣብ ኣደባባይ ዝቃላሕ ኢና ንሰምዕ ኢሎም ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:31 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG