ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ፡ ፀገም ማይ ክፈትሕ እዩ ዝተብሃለ ህንፀት ግድብ ገረብ ሰገን ይሳለጥ'ሎ


The Construction of Water Reservoir in Mekelle
The Construction of Water Reservoir in Mekelle

ካብ ከተማ መቐለ 17 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝህንፅ ዘሎ ግድብ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ንዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ክፈትሕ ትፅቢት ተገይርሉ'ሎ።

ግድብ ገረብ ሰገን 89 ሚኢታዊ ተሃኒፁ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ብዝመደቦ 1.4 ቢልየን ቅርሺ ዝህነፅ ዘሎ ግድብ ብተወሳኺ 1000 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ እውን ክሕግዝ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ምህንድስና ኣይተ ይግዛው ሓጐስ ንVOA ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ገረብ ሰገን እቲ ዘላቒ ፍታሕ ዝህብ ግድብ ገረብ ግባ ክሳብ ዝህነፅ እፎይታ ዝህብ ግድብ እዩ ኢሎም።

ግድብ ገረብ ሰገን ብራኸኡ 46 ሜትሮ ከምኡ እውን 830 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን 800 ሚልየን ሜትር ኵዩብ ማይ ኣዋህሊሉ 'ሎ።ተወሳኺ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መቐለ፡ ፀገም ማይ ክፈትሕ እዩ ዝተብሃለ ህንፀት ግድብ ገረብ ሰገን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:27 0:00

XS
SM
MD
LG