ካብ ከተማ መቐለ 17 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝህንፅ ዘሎ ግድብ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ከተማ መቐለ ንዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ክፈትሕ ትፅቢት ተገይርሉ'ሎ።
ግድብ ገረብ ሰገን 89 ሚኢታዊ ተሃኒፁ ኣሎ።
እቲ መንግስቲ ብዝመደቦ 1.4 ቢልየን ቅርሺ ዝህነፅ ዘሎ ግድብ ብተወሳኺ 1000 ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ እውን ክሕግዝ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ምህንድስና ኣይተ ይግዛው ሓጐስ ንVOA ትግርኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ገረብ ሰገን እቲ ዘላቒ ፍታሕ ዝህብ ግድብ ገረብ ግባ ክሳብ ዝህነፅ እፎይታ ዝህብ ግድብ እዩ ኢሎም።
ግድብ ገረብ ሰገን ብራኸኡ 46 ሜትሮ ከምኡ እውን 830 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን 800 ሚልየን ሜትር ኵዩብ ማይ ኣዋህሊሉ 'ሎ።ተወሳኺ ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።