ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መቐለ ሃገራዊ ቅነ ከተማታት 2004 ክተታኣናግድ‘ያ


ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ፀጋይ ገ/ኪዳን ንሬድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ባዓል ካብ ሕዳር 20 ክሳብ 25 ክፀንሕ’ዩ::

ኣብቲ ባዓል ልዕሊ 100 ከተማታት ኢትዮጲያ ክሳተፋ’የን:: እግረ መንገዱ መቐለ ኣብ 132 ዓመት ልደታ ሕምባሻ ክቑረሰላ’ዩ::

እቲ ባዓል “ከተማታት ኢትዮጲያ ኣብ ጎደና ህደሰ” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝባዓል:: “እቲ ባዓል ብህዝቢ ንህዝቢ ዝባዓል’ዩ:: ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ምሕዝነትን ምትእስሳርን ክህሉ ታሓሲቡ ዝካየድ ዘሎ ባዓል’ዩ” ኢሎም ኣይተ ፀጋይ::

እቲ ኣጋጣሚ ሓቢርካ ናይ ምልማዕ ባህሊ ዘጎልብት እውን’ዩ ኢሎም ኣይተ ፀጋይ::

ንሙሉእ ትሕዝትኡ ናብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG