ሓላፊ ርክብ ህዝብን መንግስትን ከተማ መቐለ ፀጋይ ገ/ኪዳን ንሬድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ባዓል ካብ ሕዳር 20 ክሳብ 25 ክፀንሕ’ዩ::
ኣብቲ ባዓል ልዕሊ 100 ከተማታት ኢትዮጲያ ክሳተፋ’የን:: እግረ መንገዱ መቐለ ኣብ 132 ዓመት ልደታ ሕምባሻ ክቑረሰላ’ዩ::
እቲ ባዓል “ከተማታት ኢትዮጲያ ኣብ ጎደና ህደሰ” ብዝብል መሪሕ ቃል እዩ ዝባዓል:: “እቲ ባዓል ብህዝቢ ንህዝቢ ዝባዓል’ዩ:: ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ምሕዝነትን ምትእስሳርን ክህሉ ታሓሲቡ ዝካየድ ዘሎ ባዓል’ዩ” ኢሎም ኣይተ ፀጋይ::
እቲ ኣጋጣሚ ሓቢርካ ናይ ምልማዕ ባህሊ ዘጎልብት እውን’ዩ ኢሎም ኣይተ ፀጋይ::
ንሙሉእ ትሕዝትኡ ናብ ምልክት ድምፂ ጠውቁ