ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል መድረክ ብዛዕባ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሃቡና ቃለ-ምልልስ ሪኢቶ ይህቡ

  • በትረ ስልጣን

ኣብ‘ዚ ቀረባ ምስ ም/ቀ/ሚን ምንስትር ወፃኢን ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዝገበርናዮ ቃለ-ምልልስ ካብ ኣባል መድረክን ዓረናን ኣቶ ብርሃኑ በርሀ ተፃራሪ ሪኢቶ ይህቡ።

ኣቶ ብርሃኑ ኣብ መግለፂኦም፣ገዛኢ ፓርቲ ብሰንኪ ዝትግብሮ ግጉይ ዝበልዎ ፖሊሲ ኢትዮዽያ ንሓደጋ ደርቂ ትቃላዕ ኣላ።ንህዝቢ ኢትዮዽያ ይቅሬታ ክሓትት‘ዩ ዝግበኦ‘ውን ኢሎም።

መንግስቲ ኢህወዴግ ንተቃወምቲ ከይጠናኸሩ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ይፍፅም ከምዘሎ ዝጠቅሱ እቶም ኣባል መድረኽ፣ኣብ ተቃወምቲ’ውን ድኽመት የብሎምን ማለት ኣይኮነን ይብል።

ም/ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምጅማር ዴሞክራሲ'ያ ትርከብ፣ጉድለት የለን ማለት ኣይኮነን ግን ርኡይ ለውጢ ኣሎ ክብሉ ንዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኣቶ ብርሃኑ ክምልስ ከሎ፣ትካላት ኣይተዘርግሑሉ ኩነታት፣ናይ ስልጣን ክፍፍል ዘይብሉ ኣሰራርሓ ፓርላማ፣ሚድያ ኣብ ኢድ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝተባሓተሉን ናይ ውልቀ ቴሌቭዥን ኣብ ዘይብሉን፣ ሰራዊት ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ዝኾነሉ ስርዓት፣ዴሞክራሲ ይንፀፍ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይካኣልን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG