ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንስጉምቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝቃወም ሰልፊ ተኻይዱ


ሰልፊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ሰልፊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እስራኤል ኣብ ቓዛ ትወስዶ ንዘላ ስጉምቲ ዝቃወም ሰልፊ ትማሊ ረቡዕ 29 ሕዳር 2023 ክካየድ ውዒሉ።ኣብቲ ሰልፊ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ኣብ ቓዛ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ይጽውዑ ኔሮም።

እቲ ሰልፊ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ምሕዝነት ፍልስጤማውያን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ተሰለፍቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ናብ ዝርከብ ድልድል ኔልሰን ማንዴላ ብምኻድ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ንዘላ መጥቃዕትታት ይቃወሙ ኔሮም።

ኣብ ካልእ ከባብታት ደቡብ ኣፍሪቃ`ውን ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ተመዲቡ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ሲሪል ራማፎዛ ብወገኑ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛን ምዕራባዊ ገማግም ዘለዋ ፖሊሲ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣመሳሲልዎ ኔሩ`ዩ። ካብ መንጎ ተቓለስቲ ዓሌታውነት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሮኒ ካስሪል ኣብቲ እዋን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ “ንእስራኤል ክሳብ ዝስምዓ ክንጽላ ኣለና፡ ኣብ ጎኒ ፍልስጠማውያን ደው ክንብል ኣለና “ ኢሉ ኔሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤምባሲ እስራኤል ክዕጾን ምስ እስራኤል ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክብተኽን ኣድሚጾም ኔሮም `ዮም። ንሱ ዝኸውን ዘሎ ድማ፡ መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ብምባል ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ክትምራሕ ድሕሪ ምጽውዖምን፡ እስራኤል ንዕኡ ስዒባ ኣምባሳደራ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምስሓባን`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG