ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ስደተኛታት ቆልዑ ንስእነት መግቢን ጥምየት ምቕልዖም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሱዳን ብውሑዱ 25 ሚሊዮን ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ምስ ዘሎ መጠን ጥምየትን ጉድለት ኣመጋግባን ተቓሊዖም ከምዘለው ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሎሚ ሰሉስ 20 የካቲት 2024 ኣጠንቂቑ።ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስድራታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰሙን ንዶባት ቻድን ደቡብ ሱዳንን እናሰገሩ ይመዛበሉን ክስደዱ ይግደዱን ከምዘለው ምንጭታት ሕቡራት ሃገራት ይገልፁ።

ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ማይክል ዳንፎርድ ፍርቂ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ካብ ዝርከቡላ ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ረንክ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ፅልዋ ናይዚ ግጭት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ማለት ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ቻድን በፂሑ ኣሎ። ኣብ ዓለም ድማ እቲ ዝዓበየ ቅልውላው ምምዝባል ፈጢሩ እዩ’’ ኢሉ።ንሱ ብምውሳኽ እቲ ዅናት ካብ ዝጅምር ብዝሒ ካብ መንበሪኦም ይሃድሙ ዘለው ስድራ ኣይነከየን ዘሎ ይብል። ናብ ደቡብ ሱዳን ወይ ቻድ ዝሃድሙ ዘለው ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን መግቢ ከይረኸቡ ከምዝስደዱ ዳንፎርድ ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን 18 ሚሊዮን ሰባት ንሕሱም ሕፅረት መግቢ ተቓሊዖም ኣለው። ካብኦም እቶም 3.8 ሚሊዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቆልዑ እዮም። መብዛሕቲኦም ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይኹን ካልኦት ትካላት ረድኤት ክበፅሑዎ ይቃለሱ ኣብ ዘለውሉን ውግእ ኣብ ዝካየዱሎምን ከባቢታት ተቐርቂሮም ይርከቡ።

ማይክል ዳንፎርድ"እዚ ግጭት እንተድኣ ዘይተፈቲሑ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ኤጀንስታት ብዘይገደብ ክኣትዋ እንተዘይኽኢለንን ገንዘብ እንተድኣ ዘይተረኺቡን እቲ ቅልውላው እናገደደ ክኸይድ እዩ" ይብል።

እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር መብዛሕቲኦም ካብ ዳርፉር ዝኾኑ ልዕሊ 546,000 ሱዳናዊያን ናብ ቻድ ሃዲሞም ኣለው። ኣስታት 40 ሚእታዊት ብሃንደበት ናብ ናብ ሕክምና ማእከላት ዝመጹ ቆልዑ ስደተኛታት ብሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ እዮም።

ሓገዝ ግብረ ሰናይ ኣድላዪ እንተኾነ እውን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንዝቕፅል ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዝውዕል ናይ 300 ሚሊዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ክፍተት ኣለዎ።

እዚ ሓበሬታ ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተረኽበ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG