ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነፋሪት ማሌዥያ ካብ ትጠፍእ መዓልታት ሓሊፉ - ዛጊት ኣሰራ ኣይተረኽበን


Malaysia airlines
Malaysia airlines
እናበረረት ከላ ንዝጠፍአት ነፋሪት ማሌዥያ ንምድላይ ዝተጀመረ ፃዕሪ ሎሚ‘ውን ቀፂሉ ውዒሉ።ቤተ-ሰብ እቶም ኣብ‘ታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ 239 መንገደኛታት ግና፣ንመርድእ ይዳለው‘ለው።

እታ ቦይንግ 777 ዝዓይነታ ነፋሪት፣ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ኩላ-ሉምፑር ምስተበገሰት ድሕሪ ሓደ ሰዓት በረራ፣ምልክት ሓደጋ ከይሃበት ብቅፅበት ካብ ሬዳር ተሰዊራ።ናበይ ከምዝኣተወት ክሳብ ሎሚ ኣይተፈለጠን።

ብርክት ዝበላ ኣብ ምድላይ ዝተዋፈራ መራኽብን ነፈርትን ክሳብ‘ዛ ሰዓት‘ዚኣ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ክረኽባ ኣይካኣላን።

ስፍሓት‘ቲ ኣለሻ ዝግበረሉ ከባቢ፣እታ ነፋሪት ክትጓዓዘሉ ካብ ዝተመደበላ ኣንፈት ብ185 ኪ/ሜ ስፍሓት ክካየድ ተወሲኑ ይስራሕ‘ሎ።መርየትን ባሕሪን ዘጠቃለለ‘ዩ።

ሰበ-ስልጣን ማሌዥያ፣እታ ናብ ቤይጅንግ ቻይና ዝተበገሰት ነፋሪት ከጓንፋ ይኽእል‘ዩ ንዝበልዎ ኣማራፂታት ይፍትሹ‘ለው።ናይ ምብራዕ ሓደጋ፣ጌጋ ናይ ፓይለት፣ወይካኣ ሜካኒካዊ ፀገም።
XS
SM
MD
LG