ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ሰሜናዊ አፍጋኒስታን ሎሚ ብዘጋጠመ ዓብይ ምንቅጥቃጥ መሬት ንከተማ ካቡል አንቀጥቂጡ ነዝሩ ክሳብ ፓኪስታንን ህንዲን ልኢኹ'ሎ።

በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት አብ ክፍለ-ግዝአት ናንጋሃራር 6 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት አስታት 70 ሰባት ከአ ከምዝቆሰሉን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር አረጋጊጾም'ለው።

አብ ክፍለ-ግዝአት ኩንዱዝ ከአ 12 ተማሃሮ ከምዝሞቱን ካልኦት 35 ከምዝቆሰሉን ዳይሬክተር እታ ቤት ትምህርቲ ንቪኦኤ ገሊጾም። አብ ፓኪስታን ብውሑዱ 40 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 300 ካልኦት ቆሲሎም አለው።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 7.5 መጠን ብርታዓ ከምዝነበሮ ናይ አሜሪካ መጽናዕታዊ ትሕቲ መሬት ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG