ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከላይ ምብራቕ: ኩነታት ኣብ ስራሕ ገዛ ዝተዋፈራ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ተገሊጹ


ኣብ ሊባኖስ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝስርሓት ኢትዮጵያዊት ገነት እንግዳሰው ኩነታት ስርሓ ከምቲ ዝገመተቶ ብዘይምጽንሑ ናብ ሃገራ ክትምለስ ምውሳና ትገልጽ። ንሳ ንነዊሕ ሰዓታት ብዘይ ዕረፍቲ ትሰርሕ ከምዝነበረት፡ ኣስራሕታ ካብ ገዛ ክትወጽእ ከምዘየፍቕዱላ ዝነበሩ ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ገነት በዓልቲ ሓዳርን አደ ሓደ ቆልዓን ኮይና በዓል ቤታ ስራሕ ከምዘይብሉን ንሳ ድማ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተዋፊራ ከምትርከብ ትገልጽ።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕ ካብ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ብብዝሒ ዓመጽ ካብ ዘጋጥመን ዜጋታት ኢትዮጵያዊያን ምኳኖም ይሕብር።

እቲ ትካል ብተወሳኺ መብዛሕትአን ናብ ሊባኖስ መጺአን ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ዝወፈራ አካላዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ከምዘጋጥመን፡ ከም ዕረፍቲ ዝአመሰለ መሰረታዊ መሰል’ውን ከምዘይረኽባ ይገልጽ።

“አብቲ ሃገር ኮይነ ዘስተውዓልኩ ነገር እንተሃልዩ መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን ጽልኢ ኣለዎም። ከም ሰብ ኣይቆጽሩናን፡ ኣትሒቶም’ዮም ዝርእዩና። ከም ሰራሕተኛ ኢኺ ኣብዚ ዘለኺ፡ ስለዚ ነብስኺ ከተልዕሊ ወይ ጽቡቕ ክትኽደኒ የብልኽን ይብሉ። እዚ ክትሓስቦ’ውን ዘጸግም’ዩ። ብዛዕባ መሰልኻ ምሕሳብ ኣይኸአልን።ኹሉ መሰል ዝተሓረመ’ዩ። ስለዚ ንገዛእ ርእስኻ ኣብዚ ዘለኹ ንምስራሕ’ዩ ክሰርሕ ጥራይ’ዩ ዘለኒ ኢልኻ ከተእምና ትግደድ።”

ኣብ 2012 ዓ.ም ዓለም ደቼሳ ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት ነፍሰ ቕትለት ፈጺማ፡ ሰሙን ድሕሪ እቲ ፍጻመ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ነዛ ውልቀሰብ ብጭካነ ኣብ ጎደና ብሓደ ውልቀሰብ ክትጉተትን ኣብ መኪና ክትጸዓንን ዘርእይ ምስሊ ኣውጺኡ።

ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደት አለም ግን ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ሆስፒታል ምእታዋ ነፍሰ ቕትለት ፈጺማ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ኩዌት ሓንቲ ኣብ ስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ዝተዋፈራት ኢትዮጵያዊት ካብ ህንጻ ክትጸድፍ አስራሕቲ ቪድዮ ምስኣሎም ተሓቢሩ። ብመሰረት ዝተረኽበ ጸብጻባት ንሳ አስራሕታ ክቐትልዋ ከምዝፈተኑ ክሲ ኣቕሪባ ምንባራ ይገልጽ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ኢትዮጵያ ዜጋታት ብስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከይከዱ ዝኽልኽል ሕጊ ኣውጺኣ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈሩ ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝፍረዱ ዝገልጽ ሕጊ ኣውጺኣ እንተኾነ ሕጂ’ውን ሰባት ናብዘን ሃገራት ይስደዱ ኣለው።

ተክለማርያም ዘርኡ ኣቐዲሙ ኢትዮጵያዊያን ኣብ መንበሪ ሰብጸጋ ዜጋታት ማእከላይ ምብራቕ ስራሕ ክረኽቡ ሰባት ኣብ ዘራኽብ ኤጄንሲ ይሰርሕ ኔሩ።

ንሱ እቶም ሰራሕተኛታት ናይቲ ዝስደድሉ ሃገር ባህላዊ ፍልልይ ኣይርድኦምን ክብል ነቐፌትኡ የቕርብ።

“ሓሓንሳብ እቲ ጸገም ብሰንኪ ናይ ባህሊ ፍልልይ ዘጋጥም’ዩ። እዚ ድማ ቀንዲ ምንጪ ዝበዝሑ ካብቶም ግጭታት’ዩ። ቕድሚ ካብዚ ምብጋሶም ገለ ስልጠና ንህቦም ኔርና እዚ ድማ ነቲ ኣብኡ ዝገጥሞም ነገራት ክርድኡ ብምባል እዩ። ስለዚ ንባህልን ልምድታትን ናይተን ሃገራትን እንተተረዲኦም እቲ ዘጋጥም ግጭታት ክጎድል ይኽእል’ዩ።”

ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝምራሕ ኢንዳስትራላዊ ተበገሶ ንኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ዝቀልጠፈ ቁጠባዊ ዕብየት ካብ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት እንተሰርዓ፡ ብመሰረት መዓቐኒ ድኽነት ባንክ ዓለም ሓደ ሲሶ ካብ ህዝባ ብትሕቲ ሒሳብ 1 ዶላርን 90 ሳንቲም ንመዓልታዊ አታዊ ይነብር።

ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ 2016 ዓ.ም ዘውጽኦ ሪፖርት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ድማ ብስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝኸዳ ኢትዮጵያዊያን ካብ አካላዊያን ስነ ኣእምሮኣዊን ዓመጽ ብተወሳኺ ከም ምምንጣል ፓስፖርትን ምክልኻል ክፍሊትን ዝአመሰለ በደል ከምዝበጽሓን ይገልጽ።

እዘን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ መዳይ ስራሕ ዘለወን ሕግታት ክቕይራ ተደጋጋሚ ጸቕጢ ኽካየድ ምጽንሑ ብፍላይ እቲ ብ”ካፍላ” ዝፍለጥ ሕጊ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ኣስራሒ ጥራይ ዝውስን ሕጊ ክቕየር ተደጋጋሚ ጥርዓን ኽቀርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዶ/ር መሃሪ ታደለ በዓልሞያ ኣብ ጉዳይ ፍልሰት ኮይኑ ዓለምለኸ አማኻሪ’ውን እዩ። ንሱ ከምዚ ይብል።

“እቲ ብ”ካፍላ”ዝፍለጥ ሕጊ ነተን ካብ ኢትዮጵያ ብስራሕ ኣገልግሎት ገዛ ዝመጻ በአጸጋሚ ኩነታት ወይ ምስ ጊልያነት ዝመሳሰል ኩነታት ክነብራ ዘፍቕድ ሕጊ እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጊ ድማ ኣስራሕቲ ንሰራሕተኛታትን ግዚኦምን ክውንኑ ዘፍቕድ እዩ። ነዚ ጉዳይ ክርድኡ ኾነ ክጻወርዎ ምስ ዘይክእሉ ድማ ካብ ነፍሲ ቅትለት ክሳብ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰባት መጥቓዕቲ ምፍጻም ዝአመሰሉ ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ይጽመዱ።”

ብተወሳኺ ዝሓሸ ዕድል ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ንምርኻብ ብዙሓት በአስጋኢን ኣጸጋሚን ጉዕዞ ባሕሪ ንምፍጻም ይደፋፍኡ።

ኣብዚ ጉዕዞ ድማ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ነዞም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ይሃርሙ፡ ደቂ ኣንስትዮ ይዕምጹ ከምኡ’ውን ንዝደኸሙን ዝሓመሙን ካብ ጀላቡ ይስንድዉ።

ሰብ ሞያ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር አታዊ ዘለዎ ንግዲ ኮይኑ ከምዘሎን ሰባት ንሓደገኛን አሰቃቂ ጉዕዞ ክፍጽሙ ድማ ቀንዲ ተራ ከምዘለዎ ይሕብሩ። ኣብ ገለ እዋን እውን ስድራቤታት ደቆም ዝሓሸ አታዊ ዘለዎ ስራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክረኽቡ ጸቕጢ ይገብሩ እዮም።

“ ሰባት ንክስደዱ ዝገድዶም ብዙሕ ጸቕጢ ኣሎ። ስደት ድማ ነዊሕ ሱር ኣለዎ። ገለ ስድራ ቤታት ንስደት ዝደፋፍኡ አለዎ፡ገለ ድማ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ብምስዳድ ኣብ ስደት ሰባት ዓብይ አበርኽቶ ይገብሩ። ስለዚ እዚ ናይ ስደት ውሳኔ ናይ ውልቂ ውሳኔ ኣይኾነን ። ናይ ብዙሓት አባላት ማሕበረሰብ አበርኽቶ ዘለዎ’ዩ።”

ገነት ብወገና ዳግማይ ክስትደድ እንተትክእል ክትኸይድ ከምትደልይ ትገልጽ።

“ ኣብ ሃገረይ ስራሕ ረኺበ ክሰርሕ ደስ ይብለኒ ግን እቲ ኩነታት ነዚ ዘፍቕድ ኣይኮነን። ሰባት ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክሰርሑ ይደልዩን ይሓልሙን ይኾኑ ከም ኣብ ሃገርካ ኮይና ምስራሕ ዝመስል ግን የለን። ትዕድልቲ ኮይኑ ኣብዚ ንዓና ዝሓይሽ የለን ስለዝኾነ ድማ ነቲ ናይ ምምላስ ሓሳብ ንድግፍ።”

ብመሰረት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ 2016 ዓ.ም ዘውጽኦ ጸብጻብ አስታት 40,000 ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ኣብዚ ምስ ጊልያነት ዝመሳሰል ኩነታት ኣብ መዳይ ስራሕ ተዋፊሮም ይርኸቡ።

XS
SM
MD
LG