ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውከት ለንደንን ኣብ ልዕሊ ዳያስፖራ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ዘስዓቦ ፅልዋን


መዘራረቢ ነጥቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ

ኣብ ለንደንን ካልኦት ከተማታትን እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህውከትን ዕግርግርን ከምዝተላዕለ ዝዝከር‘ዩ።እቲ ህውከት ንዳያስፖራ ኢትዮዽያውንን ኤርትራውያንን ዘሳተፈ ወይ ዝለከመ ድዩ? ናይ ሎሚ መዘራረቢ ኣርእስቲ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኮይኑ‘ሎ።

ተቀማጦ ለንደን ኣቶ ሙላት ሓረጎትን ኣቶ ኣማኑኤል እያሱን፣እቲ ህውከት ካብ ማሕበረ-ሰባዊ ቅልውላው ከምኡውን ካብ ነቲ ቅልውላው ተበሊፆም ንውልቃዊ ረብሐኦም ከውዕሉ ዝተመነዩ ሰባት ዘንቀልዎ‘ዩ ይብሉ።

ማሕበራዊ ሚድያታት፣ብሓደ ወገን እቲ ህውከት ኣብ ምጉህሃር ብካልእ ወገን ኣብ‘ቲ ህውከት ንዝተሳተፉ “ገበነኛታት“ ኣብ ምክትታልን ምቅላዕን ርኡይ ኣበርክቶ ነይሩዎ ባሃልቲ‘ዮም እቶም ኣጋይሽ።

XS
SM
MD
LG