ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሌዮነል ሜሲይ 'ኢደይ ሂበ' ይብል


ልዮነል ሜስይ ድሕሪ ስዕረት ጋንትኡ ሓዘኑ እንትገልፅ
ልዮነል ሜስይ ድሕሪ ስዕረት ጋንትኡ ሓዘኑ እንትገልፅ

ናይ ዓለምና ቁፅሪ ሓደ ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲናዊ ልዮነል ሜስይ፣ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ተሰሊፈ ፅዋዕ ከምፅእ ስለዘይካኣልኩ ምስ'ታ ጋንታ ኮይነ ኣይፃወትን ኢሉ።

ሜስይ ናብ'ዚ ውሳነ'ዚ ዝበቅዐ፣ ጋንትኡ ትማሊ ኣንፃር ቺሊ ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ በቂዓ ድሕሪ ምስዓራ'ዩ። ኣብ'ቲ ናይ ትማሊ ግጥም ፅዋዕ መን ዓተረ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ስሩዕ ጊዜ ግጥም ክሳዓዓራ ስለዘይካኣላ፣ ናብ ፍፁም ቅላዕ መቕፃዕቲ ኣትየን'የ።

ካብ ተሰለፍቲ ኣርጀንቲና ቀዲሙ ዝተሰርዐ ሌዮነል ሜስይ ኣምኪንዋ'ዩ። ጋንትኡ ድማ 4 ን 2 ተሳዒራ። ብድሕሪ ስዕረት ጋንትኡ ሌዮነል ሚሰይ ስሚዕታዊ ማህሰይቲ ከምዝወረዶ ካብ ገፁ ምንባብ ይካኣል ነይሩ። 'ደጊም ምስ ጋንታ ኣርጀንቲና ኣይስለፍን'ውን' ኢሉ'ሎ። ሓቁ ድዩ ኣይኮነን ግና ጊዜ ዝፈርዶ'ዩ ዝኸውን።

ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ግጥማት ኮፓ ኣሜሪካ ንካልእይ ጊዜ'ያ ብጋንታ ቺሊ ኣተኸታታሊ ትሳዓር ዘላ። ዓሚ'ውን ጋንታ ቺሊ ንኣርጀንቲና ከምዝሳዓረት ዝዝከር'ዩ።

XS
SM
MD
LG