ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ምስሕሓብ ኢትዮዽያን ግብፅን ብልዝብ ክፍታሕ ኣለዎ’ ሊንዳ ቶማስ ግሪንስፊልድ


ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ
ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ
ኣህጉር ሓቆፍ ቃለ-መጠይቅ‘የን ዘካየዳ እተን ባዓልቲ ስልጣን፣500 መራሕቲ መናእሰይ ኣፍሪቃ ዝመፅእ ሓምለ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ከምዝኣትውን ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ከምዝራኸቡን፣ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ምስ መብዛሕተኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዋሽንግተን ኣኼባ ከምዝህሉ ጠቂሰን።

”ውዕል ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣይፈሸለን።ኣስገዳድ ምኽታም ውዕል‘ውን ኣይተፈፀመን።ስለ ረብሓ ህዝቢ ኢሎም ክልቲኦም መራሕቲ ቅኑዕ ውሳነ ንከሕልፉ ኢና ፀዊዕና” ኢለን።

”ካብ ሙሉእ ኣፍሪቃ ኢና መራሕቲ ዓዲምና።ሓቂ‘ዩ ዘይተዓደሙ መራሕቲ ሃገራት ኣለው።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንኣብነት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይተቃደው ክኾኑ ይኽእሉ፣ዕልዋ ከምዝፈፀሙ መራሕቲ ግብፂ፣ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጊኒ ቢሳውን ዝኣምሰሉ ማለት‘ዩ። ካልኦት ምስ ኣሜሪካ ሰናይ ዝምድና ዘይፀንሖም መራሕቲ‘ውን ኣይተዓደሙን። ማዕቀብ ዘንበርናሎም ወይ ክልተኣዊ ፅምዶ ምስ ኣሜሪካ ዘይብሎም መራሕቲ ማለተይ‘የ።ከም መራሕቲ ዚምባብዌ፣ኤርትራን ሱዳንን ዝኣምሰሉ የጠቃልል ይብላ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ።

ኣሜሪካ መሓዛ ግብፅን ኢትዮዽያን ምኳና ይፍለጥ‘ዩ።መርገፂ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ኢትዮዽያ ትሃንፆ ዘላ ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ክዛረባ ከለዋ ”ኣብ ልዕሊ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ምስ ክልቲኦም ወገናት ሰፊሕ ልዝብ ገይርና ኢና።መርገፂና፣ክዘራረቡ ኣለዎም ዝብል‘ዩ።ክላዘቡ ኣለዎም።ኣፈላላዮም ንከፅብቡ ክሰርሑ ይግባእ።ዝተወሰነ ልዝብ ከምዝተሳለጡ ንፈልጥ ኢና። ግን እቲ ልዝብ ክቅፅልን ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ተጠቀምቲ ማይ ኣባይ ክኾኑ ዘሕግዝ ፍታሕ ከምፅኡን ትፅቢት ንገብር“ ኢለን።
ሙሉእ ሪኢቶታት ሊንዳ ቶማስ ግሪንስፊልድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:29 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG