ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዳፊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሽሞም ገና ዕዙዝ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ገሊጾም


መራሒ ሊብያ ገዲፎሞ ዝኸዱ ውርሻ ኢንቨስትመንት እናተቐልዐ ክኸይድ`ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ

ኣብ ርእሰ ኸተማ ሱዳን- ካርቱም ብሊብያ ዝተሰርሐ ፍሉይ ቅርጺ ዘለዎ ሆተል ይርኣይ። ኣብ ኬንያ ርዋንዳን ኡጋንዳን`ውን ድንቂ ዝብሃሉ ዓበይቲ ሆቴላት ተሃኒጾም`ዮም ብገንዘብ ጋዳፊ።

ብዘይካ`ዚ ሊብያ ንሕብረት ኣፍሪቃን ንባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ዝዓበየት ኣበርካቲት ኾይና`ያ ጸኒሓ።

ዝበዝሑ መንግስታት ኣፍሪቃን፡ ባዕሉ ሕብረት ኣፍሪቃን ዛጊድ ንተቓወምቲ ሊብያ ኣፍልጦ ኣይሃቡን።

እዚ ፖሊሲ`ዚ፡ ምስ ሓደሽቲ መራሕቲ ሊብያ ንዝግበር ዝምድና ክጎድኦ ይኽእል`ዩ ዝብል ሻቕሎት ኣለዎም ተንታኒ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፒተር ፋም።

XS
SM
MD
LG