ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣስታት 100 ስደተኛታት ካብ ትጥሕል ዝነበረት ጀልባ ምድሓኖም ሓቢሮም


መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምኳኖምን ካብ ኤርትራን ሶማልን ዝመጹ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ስደተኛታት ቁሩብ ሰዓታት ድሕሪ ካብ ከተማ ኮምስ ምዕራብ ትሪፖሊ ምብጋሶም ሞተር እታ ተጻዒኖምላ ዝነበረት ጀልባ ምስራሕ ደው ምባሉን ክትጥሕል ምጅማራን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይሕብሩ።

ብተመሳሳሊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካል ኣስታት 96 ስደተኛታት ዓርቢ መጋቢት 9,2018 ካብ ማእከላይ ባሕሪም ምድሓኖም ይፍለጥ።

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ናብ ኣውሮጳ ዝኻየድ ዋሕዚ ስደተኛታትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ንምግታእ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝህቦ ስልጠና ብቕልጡፍን በሰፊሕን ይሰርሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ እንተኾነ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ግን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንህይወት እቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ስርሒታት የካይዱ ከምዘለው ብተደጋጋሚ ክከሳ ምጽንሓን’ውን ይፍለጥ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ግን ንክሲ እተን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ይነጽግ።

XS
SM
MD
LG