ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለተሰንበት ግደይ ኣብ 5000 ሜትሮ ጉያ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ


ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ መቀለ
ለተሰንበት ግደይ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ መቀለ

ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ስታድየም ቫለንስያ ኣብ ዝዋዓለ ጉያ 5 ሽሕ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ። ለተሰንበት ነቲ ጥሩነሽ ዲባባ ቅድሚ 12 ዓመታት ዘመዝገበቶን ንብርክት ዝበሉ አትሌታት ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ ዝጸንሐን ርሕቀት ጉያ ፈንጢሓ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ ኣላ።

ሓድሽ ክብረ ወሰን 14፡06 ሰኮንድን። ብጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረወሰን’ዚ ርሕቀት’ዚ 14፡11 ሰኮንድን። ለተሰንበት ግደይ ኣብ’ቲ ውድድር ዝህልዋ ግደ ካብ ተሳትፎ ዝሰገረ ከምዝኾን ናይ ተንተንቲ’ቲ ውድድር ትጽቢት እዩ ነይሩ። ኣይተጋገዩን። ክልተ ፔስ መከርስ ማለት ሓድሽ ክብረ ወሰን ንክተመዝግብ መታን ክትጎይይ ዝሕግዛኣ’ውን ተመዲበናላ ነይረን።

22 ዓመት ዝዕዲሚኣ ለተሰንበት ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ መቀለ ናብ ቫለንስያ ክትብገስ ከላ እዚ ክስተት’ዚ ክፍጸም እዩ ኢላ ተጸብያ እንተነይራ ዝተፈለጠ ነገር የለን። ሓደ ነገር ግን ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፣ ኣብ ታሪኽ ኣትሌትክስን ጉያ 5 ሽሕ ሜትሮን በታ ዋዕሮ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ዝነበረት ጥሩነሽ ዲባባ ተታሒዙ ንዝነበረ ክብረ ወሰን ሓምሺሻ ናይ ገዛእ ርእሳ ስም ኣንቢራ ኣላ። ለተሰንበት ግደይ!

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00


XS
SM
MD
LG