ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ናብ ላምፐዱሳ ዝኣተው ስደተኛታት ናብ 6-ሽሕ ክብ ምባሉ ተገሊጹ


ደሴት ላምፐዱሳ ኢጣልያ ሎሚ ሓሙስ 14 መስከረም 2023 ብኣሸሓት ሓደስቲ ስደተኛታት ተጨናኒቓ ውዒላ`ላ። ትማሊ ረቡዕ ጥራሕ ኣስታት 1,850 ስደተኛታት ናብታ ደሴት ድሕሪ ምእታዎም እቲ ቁጽሪ ናብ 6,700 ደይቡ`ሎ። ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ማቲው ሳልቪኒ፡ ነቲ ህጹጽ ኩነታት ተሓተቲ ኣህጉር ኣውሮጳ`ዩ ይብል። ካብ ኣፍሪቃ ንኣውሮጳ ንምስጋር ቀንዲን ዝቐረበት ደሴት ኮይና ዝጸንሐት ላምፐዱሳ፡ መበገሲ ቅልውላው ፍልሰት ናብ ኣውሮጳ ኮይና`ውን ትርኣይ። መብዛሕቲኦም ድማ ኣብቲ 400 ሰባት ጥራይ ክሕዝ ዝተዳለወ መቐበሊ ማእከል ክኣትዉ ይግበር። እዚ ዓመት ካብ ዝጅመር ጥራሕ ኣስታት 123,860 ፍልሰተኛታት ብጀላቡ ጌሮም ኢጣልያ ኣትዮ ኣለዉ። ኣብ ባሕሪ ዝጠልቁ`ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ኢጣልያ ትማሊ ረቡዕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልሰተኛታት ካብ ደሴት ላምፐዱሳ ናብ ቺቺልያ ኣሰጋጊራቶም ኣላ። ደሴት ላምፐዱሳ ብዝሒ ስደተኛታት ክትጻወር ስለዘይትኽእል ብቐጻሊ ናብ ቺቺልያ ይግዕዙ። ብመሰረት ሓበሬታ ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ፡ ደሴት ላምፐዱሳ ትማሊ ረቡዕ ልዕሊ 6-ሽሕ ፍልሰተኛታት ሒዛ ኔራ። እታ ሃገር ቅድሚ ሎሚ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ቁጽሪ ስደተኛታት ክተተኣናግድ ትቃለስ ከም ዘላ ይግለጽ ኣሎ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለው ስደተኛታት፡ ዳርጋ ዕጽፊ ናይቶም ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተዉ ምዃኖም`ውን ተተሓሒዙ ዝመጸ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG