ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 5-ሽሕ ስደተኛታት ብሓደ መዓልቲ ላምፓዱሳ ምእታዎም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ኢጣልያ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብልዕሊ 100 ጀልባታት ኣቢሎም 5,000 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ምእታዎም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ንህድኣት እቲ ባሕሪ ተጠቒሞም ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ብልዕሊ 100 ዝተፈላለያ ጀልባታት ልዕሊ 5,000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፐዱሳ ኣትዮም ክብል ሎሚ ረቡዕ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ኣሎ።

ሓንቲ ጀልባ ኣብ ወሰን ባሕሪ ተገልቢጣ ብውሑዱ ሓደ ህፃን ከምዝሞተ መንግስታዊ ሬድዮ ኢጣልያ ፀብፂባ።

ንሓደስቲ በፃሕቲ ዝቕበል ማእኸል 400 ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣለዎ። እንተኾነ ግን ብልዕሊ 6,000 ሰባት ኣዕለቕሊቑ ዓሰርተታት ሓደሽቲ ኣብ ፈቐዶ ፅላላት ከውሒታትን ናይ ሓኾሪቲ ዳሳትን ተፀጊዖም ይርኣዩ።

ዛጊት ኣብዚ ዓመት ብጀልባ ኣቢሎም ልዕሊ 115,000 ሰባት ኢጣልያ ኣትዮም ኣለው። እቲ ቁጽሪ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር ከሎ ዳርጋ ብዕፅፊ ወሲኹ ኣሎ።ብመሰረት ስታትስቲክስ ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ኣብ 2021 ቁጽሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣተው ስደተኛታት 41,000 ነይሩ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG