ሰሉስ ዝጀመረ ባርዕ ጫካ ኣከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርኒያ፡ ሎሚ ዓርቢ መጠናዊ ህድኣት የርኢ ኣሎ።
ዛጊት ኣስታት 10-ሽሕ ኣባይቲ ዓበይቲ ህንጻታትን ኣዕንዩ ዘሎ ባርዕ፡ ኣብቲ ብኣዝዩ ፍጡን ቅልጣፈ ዝጓዓዘሉ፡ ሰራሕትኛታት መጥፋእቲ ሓዊ መጠናዊ ተስፋ ዝረኸቡ ይመስሉ። ዛጊት ተፈሊጡ ካብ ዘሎ፡ ብውሑዱ 5 ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ሓደ ምኹራብ (ቤት መቕደስ ኣይሁድ)፡ ሽውዓተ ኣብያተ-ትምህርቲ ክልተ ኣብያተ-ንባብ፡ ባንክን ካልእ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ሃሚዅ ኣሎ።
ዋላ ንሳን ስድራኣን ዛጊት ንኽወጽኡ መምርሒ እንተ ዘይተዋህቦም፡ ካብቶም በቲ ባርዕ ዝተጸልዉን ካብ መንበሪታቶም ዝለቐቑን ግን ኣብ ጥቓኦም ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ትነግር። ኩነታት ምስ ኣንፈት ንፋስ ስለ ዝለዋወጥ፡ ከመይ ክቕጽል ከም ዝኽእል ምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ ዘሎ።
ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ፡ ምጕድላ ዝናብን ነቕጺን ኣብ ካሊፎርኒያ ዓቢ ለውጢ ይገብር ምህላዉ ትካላት ሜትሮሎጂ የመልክቱ። ዓለምና’ውን ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመተ 2024 ኣብ ታሪኽ ምድሪ እታ ዝወዓየት ዓመት ምንባራ ተመልኪቱ ኣሎ።
መንግስቲ ዛጊት ገምጋም ዕንወት ኣይሃበን። እንተዀነ ኣብቲ ጉዳይ ዳህሳስ ዝገበራ ትካላት፡ ክሳብ ሓሙስ ምሸት ጥራይ ካብ 135 ክሳብ 150 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ክሳራ ምውራዱ ኣሚተን።
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ሎስ-ኣንጀለስ ክሳብ ሕጂ 10 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ክሳብ ዓርቢ ንግሆ ኣስታት 180-ሽሕ ነበርቲ ገዛውቶም ገዲፎም ክግዕዙ መምርሒ ተዋሂቦም ኣለዉ። ኣብ ወረዳ ሎስ-ኣንጀለስ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ክሳብ ዓቢ ተዓጽየን ኣለዋ።
እዚ እናዀነ፡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዘስፈሮ ኣብ ካልእ ወገን ብሕልፊ ሳንታ ሞኒካ ዝተባለ ከተማ ክቱር ዘርፊን ስርቂን’ውን ስለ ዝተራእየ፡ ፖሊስ ዛጊት 20 ሰባት ኣሲሩ፡ ሰዓታት እቶ-እቶ’ውን ኣዊጁ ኣሎ።
ቅጥዒ