ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቆቦ ንዝተላዕለ ግጭት ስዒቡ መንእሰያት ይእሰሩ ምህላዎም ነበርቲ ገሊጾም


ቆቦ
ቆቦ

ብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ሎማ መናእሰይ ይ እ ሰሩ ምህላዎም ነበርቲ ገሊፆም።ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ዝጠፍአላ ከተማ ሎማ ዝተረጋግአት እንተመሰለት እውን ብርክት ዝበሉ ሓይልታት ፀጥታ ኣብታ ከተማ ከምዝርከቡ ነበርቲ ተዛሪቦም ኣለው።ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው መንቀሊ ናይቲ ፀገም ኣብቲ ህዝቢ እናተዋህለለ ዝፀንሐ ቅሬታ ምዃኑ ብምግላፅ ህዝቢ ዘልዕሎም ፀገማት ናይ ብኣዴን ፀገም እዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ ወልዲያ ንዝተልዓለ ግጭት ስዒቡ ኣብ ከተማ ቆቦ ሰሉስ ዝጀመረ ተቓውሞ ኣብ መንጎ ነበርቲ እታ ከተማን ዕጡቓትን ዝለዓለ ግጭት ፈጢሩ።ክሳብ ሎሚ ብወገን መንግስቲ ህወይት ሰብ ምጥፍኡ እምበር ብቁፅሪ ዝተውሃበ መግለፂ የለን።ቪኦኤ ዘዘራረቦም ነበርቲ ግን ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፆም ኣለው።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ መንግስቲ፣ናይ ውልቀሰባትን ሰብ ሃብትን ንብረት ብዝለዓለ ከምዝተባርዐ ገሊፆም ኣለው።

ናይ ሎሚ ውዕሎ ብዝምልከት ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደሊ ነባሪ እታ ከተማ ብተነፃፅሪ ዝተረጋገት እንተመሰለት እውን ዕጡቓት መንግስቲ ብበዝሒ ከምዝርከቡ ይገልፅ።

“እቶም ዕጡቓት ንህዝቢ እናዓፈኑ ይወስዱ እዮም ዘለው።ምክልኻል ኣብ ጎደናታት ኣለው።ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ሓይልታት ምክልኻል ነቲ ህዝቢ ይወቅዑዎ ነይሮም።ናይ ንግዲ ትካላት፣ኣብያተ ትምህርቲ መንገዲ ተዓፂዮም እዮም ዘለው።”

ኣብ ከተማ ቆቦ ነባሪ ዝኾኑ ወዲ 80 ዓመት ሽማግለ እቲ ቅልውላው ዝተሓሳስብ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

“ኣዚዩ ዝተሓሳስብ እዩ።ዘንብዕን ዘሕዝንን እዩ።ንናይ ሃገርና መልክዕን ታሪኽን ዘጉድፍ እዩ።ወገኑ ኣብ ልዕሊ ወገኑ ዝፍፅሞ ዘሎ ተግባር ኣብ ወፃኢ እንሰምዖ ዜና ኣብ ባዕልትና ምርኣይና ዘሕዝን እዩ። ንሕና ኢትዮጵያዊያን እንልለ ንሓድሕድና ከይኮነስ ንናይ ወፃኢ ፀላኢ ብሓባር ኣሕፊርና ብምምላስ እዩ ነይሩ።”

ንሓድሕድና ብምንኻስን ደም ብምፍሳስን ምርኣይ ዘሕዝን እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ሎሚ ንናይ ክልል ኣምሓራ ቴሌቪዥን ኣብዝሃብዎ መግለፂ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ሓዘኖም ብምግላፅ እቲ ፀገም ናይ ብኣዴን እዩ ኢሎም ኣለው።

“ኣብቲ ህዝቢ ቅሬታን ብሶትን እናተዋህለሉ ፀኒሑ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰይ ብርክት ዝበሉ ግዜ ሕቶታት ከይተመለሱ ብምፍትራፎም እናተዳደሩ ብምፅንሖምን እዚ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።እዞም ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለው ፀገማት ብመሰረቱ ናይ ማንም ሽግራት ኣይኮኑ።ናይ ብኣዴን ኣመራርሓ ፀገማት እዮም።”

ኣብዚ ኣብ ስደት ዝነብር ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖደስ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣብ ጥምቀት ንዝተፈፀመ መቕተልቲ ብምውጋዝ ሓይልታት ፀጥታ ምቕታል ጠጠው ከብሉዎ ንፅውዕ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ነባሪ ቆቦ ዝኾነ ቤት ንግዱን መንበሪ ገዝኡን በቲ ህውከት ከምዝነደዶን ካብ ከተማ ቆቦ ሃዲሙ ናብ ኣላማጣ ከምዝኣተወ ትማሊ ዝገለፀልና ገዛኢ ገብረየሱን ሎሚ ኣበይ ከምዘሎ ገሊፁ’ና’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG