ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ቆቦ ብዝተላዕለ ግጭት ትሕቲ ዕድመ ህጻን ዝርኸብዎም 7 ሰባት ሞይቶም


 ኣብ ከተማ ቆቦ ድሕሪ'ቲ ተቓውሞ ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ምስሊ- ብዋትስ ኣፕ ዝተላእከ
ኣብ ከተማ ቆቦ ድሕሪ'ቲ ተቓውሞ ዝነበረ ኩነታት ዘርእይ ምስሊ- ብዋትስ ኣፕ ዝተላእከ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ሰሜን ወሎ ኣብ ከተማ ቆቦ ንክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ተቃውሞን ጎንጽን ዛጊት 7 ሰባት ሞይቶም ክብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።

ካብ መንጎ’ቶም ዝሞቱ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ክልተ አባላት ሰራዊት ምክልኻል እዮም ክብሉ እውን ሓቢሮም።

እቲ ጎንጺ ዝተላዕለ ኣብ ወልድያ ንጹሃት ሰባት ዝቐተሉ ዕጡቓት መንግስቲ ናብ ፍርዲ ይቅረቡ፡ ኣብ ቆቦ ዝተአሰሩ መንእሰያት ይፍትሑ ዝብሉ ነበርቲ’ታ ከተማ ናብ አደባባይ ኣብ ዝወጽሉ ምኳኑ ነበርቲ ይገልጹ።

ርእይቶ ምምሕዳር ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦ ዝተኻየደ ተቓውሞ ናብ ህውከት ተቐይሩ ትካላት መንግስቲ፡ መካይን፡ ትካላት ልምዓት ሕርሻ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ፓርቲ፡ ንብረት ሰብ ሃብቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ምንዳድ ንብረትን ኣብያተ ንግድን ምፍጻሙ ነበርቲ ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG