ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ መስራቲት ማእከል ሓገዝ ሕማም ፓርኪንሰን ወ/ሮ ክብራ ከበደ


ዕላል ምስ መስራቲት ማእከል ሓገዝ ሕማም ፓርኪንሰን ወ/ሮ ክብራ ከበደ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:01 0:00

ዕላል ምስ መስራቲት ማእከል ሓገዝ ሕማም ፓርኪንሰን ወ/ሮ ክብራ ከበደ

ወ/ሮ ክብራ ከበደ ኣብ ክልል ትግራይ ከባቢ ዓዲግራት ወረዳ ጉሎመኸዳ እያ ተወሊዳ ዓብያ። ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርታ ኣብ ኢትዮጵያ ተማሂራ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ድማ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺባ። ካብኡ ናብ ወፃኢ ሃገር ብምኻድ ብኣተሓሕዛ ሃብቲ ተፈጥሮ ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ድማ ስራሕ ጀሚራ። እንተኾነ ብዙሕ ከይፀነሐት ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙዋ። እንታይነት እቲ ዝሓዛ ሕማም ግን ብቐሊሉ ክፍለጥ ኣይከኣለን ነይሩ። ናብ ኣመሪካ ከይዳ ብዝተገበረላ ምርመራ ወይዘሮ ክብራ ፓርኪንሰን ብዝበሃል ሕማም ከምዝተትሓዘት ተነጊሩዋ። ፓርኪንሰን ብስም ብዙሕ ዝፍለጥ ሕማም እኳ እንተዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ ዘሎ ሕማም እዩ። ፓርኪንሰን ነቲ ሕማም ብዝረኸቦ ዶክተር ስም ዝፅዋዕ ኮይኑ ንምንቅስቓስ ኣካላት ዝቆፃፀር ኣብ ርእስና ዝርከብ ዶፓሚን ዝበሃል ባእታ ዋሕዲ ዘስዕቦ ፀገም እዩ። ሕማም ፓርኪንሰን ኣካላትና ከይንቆፃፀር ይገብር፣ ናይ ምዝራብን ምርኣይን ፀገም የስዕብ። በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተ ቖልዑትን ዝኾነት ወይዘሮ ክብራ ከበደ በዚ ሕማም ካብ ትተሓዝ 23 ዓመታት ዘቑፀረት ኮይና፣ ከምኣ በዚ ሕማም ንዝሳቐዩ ወገናት ንምሕጋዝ ቅድሚ 11 ዓመት ትካል መሐገዚ ሕሙማት ፓርኪንሰን ኣጣይሻ እያ። እቲ ዘጣየሸቶ ትካል ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ን700 ዝኾኑ ሰባት እናሓገዘ ይርከብ። ወይዘሮ ክብራ ከበደ በዚ ኣብነታዊ ስራሓ ናይ 2014 ዓ.ም 'የበጎ ሰው' ሽልማት ረኺባ ኣላ።

XS
SM
MD
LG