ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆን ኬሪ ንጻዕርታት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምቕላስ ግብረ-ሽበራ ንኢዶም


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያዊያን ለውጢ ንምምጻእ ዝገብርኦ ዘለዎ ስራሕ ንኢዶም።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ትማሊ ምስ ቴሌቭዥን ኣልሁራ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ ንዳዒሽ ንምስዓር 66 ሃገራት ዝርኸብኦ ድልዱል ጥምረት ምዕባለ የርእ’ሎ ኢሎም።

‘ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጽእ ገንዘብ ንምብታኽ ንሰርሕ’ለና። መንእሰያት ብዳዒሽ ከይምረዙ ንዳዒሽ ዝጻረር ተበግሶ ማህበራዊ ሚድያ ብምድላው ንቃለስ’ለና’ ኢሎም።

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ንዳዒሽ ንምስዓር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ቀንዲ ግደ ትዓምም’ላ ዝበሉ ጆን ኬሪ ነቲ ጉጅለ ካብ ናይ ውልቂ ናይ ሕሳብ ባንክታት ገንዘብ ከይበጽሖ ስዑዲ ክትሕግዝ ትኽእል’ያ ኢሎም።

ገለ መንእሰያት መራሕቲ ማእኸላይ ምብራቕ ነቲ ዞባ ንምርግጋእ ድልውነቶም የርእዩ’ለው ኢሎም።

‘ናይ ዓረብ ኤማራትስ ልኡል መሓመድ ቤን ዛይድ ምስ የሕዋቶም ብምኳን ኣብ ምቅላስ ግብረ-ሽበራ ዝነአድ ራኢ ከምዘለዎም ኣርእዮም’ዮም። ኣንጻር ዳዕሽን ኣል-ቃይዳን ደው ብምባል ንጹር መርገጺኦም ኣርእዮም’ዮም።’

ኣሜሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ቲ ዞባ ከም ኢራቕ ኣብ ዝበላ ንዝረአ ምዕባለ ተተባብዕ ክብሉ’ውን ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጂን ኬሪ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሚኒስተር ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ንጻዕርታት ሃገራት ዓረብ ኣብ ምቕላስ ግብረ-ሽበራ ንኢዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:25 0:00

XS
SM
MD
LG