ዋሽንግተን —
ኬንያ ነቲ ዓብይ ቀንዲ መስመር መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ዝወዓለን ካብ ቻይና ዝተለቃሓቶ ቢልዮናት ዶላር ብመሰረት'ቲ ስምምዕ በቲ ዝተታሕዘሉ መደብ ኣብ እዋኑ ትኸፍል'ዃ እንተሃለወት ግን ተኸፊሉ ዝውዳኣሉ ሰለዳ ግዜ ብዝምልከት ከም ብሓድሽ ክትላዘብ ከምትደሊ ገሊጻ።
ሓድሽ ሚኒስተር መጉዓዝያ'ታ ሃገር ንኣባላት ፓርላማ'ታ ሃገር ከም ዝበልዎ ኬንያ ነቲ ልቃሕ ኣብ ምኽፋል ጽቡቕ'ያ ዘላ ግን በዚ ተታሒዝሉ ዘሎ ግዜ 20 ዓመት ክትቅጽል ኣይትኽእልን'ያ ኢሎም።