ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኬንያ ንኣል-ሸባብ ንምልማስ እናፈተና ኢና ይብሉ


ሰበስልጣን ሰራዊት ኬንያ ንሓንቲ ናይ ኣል-ሸባብ ቁልፊ ዒላማ እናዓፀው ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ሓይልታት ኬንያ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ሱማልያ ዘካይዶም ፋይናንሳውን ሎጂስትካውን ስርሒት ዒላማ ብምግባር ነቲ ጉጅለ ንምልማስ እናፈተነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሰበስልጣን ሰራዊት ኬንያ ንሓንቲ ናይ ኣል-ሸባብ ቁልፊ ዒላማ እናዓፀው ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ወሃቢ ቃል ወታደራዊ ሓይሊ ኬንያ ኢማኑኤል ቺርቺር ከምዝበልዎ ሓደ ቀንዲ ዕላማ ሊንዳ ኒቺ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ወፍሪ ንከተማ ደቡባዊ ሱማሊያ ኣፍማደው ንምሓዝ እዩ።ንሶም ብምቕፃል ከምዚ ይብሉ።’’ ኣፍማደው ንስርሒት ኣል-ሸባብ ኣገዳሲት ከተማ እያ ኢልና ንኣምን።ምኽንያቱ ናይ ገንዘብ ዝውውር ዝፍፀመላ እያ።ንወታደራት ኽፍሊት ዝወሃበላ እውን እያ።’’ይብሉ።

ሰራዊት ኬንያ ንትሕዝቶትታት ኣል-ሸባብ ንምጥቓዕ ብቐንድነት ኣብ ሓይሊ ኣየሩ ይምስረት።ወሃቢ ቃል ቺርቺር ኣብ ልዕሊ ወደባዊት ከተማ ኪስማዮ ዝተኻየደ ደባድብ ነፈርቲ ዕውት ከምዝነበረ ይገልፁ።

ሕቡራት መንግስታት ኣልሸባብ ዝበዝሕ ገነዘባውን ናውታውን ሓገዝ ዝረኽበላ እያ ዝበላ ኪስማዮ ካሊእቲ ናይ ኣል-ሸባብ ቁጠባዊ ምንጪ እያ።

XS
SM
MD
LG