ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ንቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ብምቅዋም ዝጀመረ ተቃውሞ ንሳልሳይ ሰሙን ይቕጽል’ሎ


ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ብምቅዋም ዝጀመረ ተቃውሞን ፖሊስ ነቲ ተቃውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ
ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ብምቅዋም ዝጀመረ ተቃውሞን ፖሊስ ነቲ ተቃውሞ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኬንያዊያን ሶኑይ ናብ ጎደናታት’ታ ሃገር ብምውጻእ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ለውጢ ንኸተኣታትው ዝጽውዕ ተቃውሞ ኣካይዶም። ፖሊስ ብወገኖም ንተቃወምቲ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ማይን ምጥቃሙ ተገሊጹ።

መብዛሕትኦም ደገፍቲቲ ሕብረት ንዲሞክራስን ለውጥን ዝተባህለ ተቃዋሚ ፓርቲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ቦርድ ምርጫ ንገዛኢ ፓርቲታ ሃገር ዘድልውዩ ክብሉ ይኸሱ። እቲ ቦርድ ነጻ፡ፍትሓውን ግሉጹን ምርጫ ከካይድ ኣይክእልውን ይብሉ።

ሰነተር ተቃውሚ ፓርቲ ሕብረት ንዲሞክራስን ለውጥን ዝኾኑ ጄምስ ኦረንጎ ነቲ ንተቃውሞ ዝወጸ ህዝቢ ብምምራሕ ‘ለውጢ እንተዘየለ ምርጫ የለን’ ዝብል ጭርሖ አስሚዖም፡ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ፍትሓዊ ዝኾነ ምርጫ ክኻየድ ኣይኽእልንዩ እውን ኢሎም።

ኣብዛ ሃገር ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ብመሰረት ቕዋም ኬንያ ነጻን ፍትሓውን ዝኾነ ምርጫ ክኻየድ ዝከኣለና ኹሉ ክንገብር ቆሪጽና ኢና። እቲ ምርጫ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ዝቁጸረሉን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድምጹ ክህብ ዕድል ዝረክበሉን ክኸውን ኣለዎ።

ሶኑይ ዝተካየደ ተቃውሞ ኣብ መደረታት ኣይበጽሓን ምክንያቱ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ማይን ብምጥቃም ንተሳተፍቲቲ ተቓውሞ በቲኖም።

ሚስተር ኦረንጎ መንግስቲ ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ብምርኻብ ንምርጫ ቦርድ ዝምልከት ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ክሳብ ዘካይድ እቲ ተቃውሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሶኑይ ከምዝካየድ ገሊጾም።

ኬንያ ፕረዝደንታዊን ናይ ቤት-ምኽሪ ምርጫ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዓ.ም ከተኻይድ መደብሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኬንያ ንቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ብምቅዋም ዝጀመረ ተቃውሞ ንሳልሳይ ሰሙን ይቕጽል’ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

XS
SM
MD
LG