መብዛሕትኦም ደገፍቲ’ቲ ሕብረት ንዲሞክራስን ለውጥን ዝተባህለ ተቃዋሚ ፓርቲ ዝኾኑ ሰልፈኛታት ቦርድ ምርጫ ንገዛኢ ፓርቲ’ታ ሃገር ዘድልው’ዩ ክብሉ ይኸሱ። እቲ ቦርድ ነጻ፡ፍትሓውን ግሉጹን ምርጫ ከካይድ ኣይክእል’ዩ’ውን ይብሉ።
ሰነተር ተቃውሚ ፓርቲ ሕብረት ንዲሞክራስን ለውጥን ዝኾኑ ጄምስ ኦረንጎ ነቲ ንተቃውሞ ዝወጸ ህዝቢ ብምምራሕ ‘ለውጢ እንተዘየለ ምርጫ የለን’ ዝብል ጭርሖ አስሚዖም፡ ቦርድ ምርጫ’ታ ሃገር ፍትሓዊ ዝኾነ ምርጫ ክኻየድ ኣይኽእልን’ዩ እውን ኢሎም።
‘ኣብዛ ሃገር ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ብመሰረት ቕዋም ኬንያ ነጻን ፍትሓውን ዝኾነ ምርጫ ክኻየድ ዝከኣለና ኹሉ ክንገብር ቆሪጽና ኢና። እቲ ምርጫ ነፍሲ ወከፍ ድምጺ ዝቁጸረሉን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ድምጹ ክህብ ዕድል ዝረክበሉን ክኸውን ኣለዎ።’
ሶኑይ ዝተካየደ ተቃውሞ ኣብ መደረታት ኣይበጽሓን ምክንያቱ ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ማይን ብምጥቃም ንተሳተፍቲ’ቲ ተቓውሞ በቲኖም።
ሚስተር ኦረንጎ መንግስቲ ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ብምርኻብ ንምርጫ ቦርድ ዝምልከት ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ክሳብ ዘካይድ እቲ ተቃውሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሶኑይ ከምዝካየድ ገሊጾም።
ኬንያ ፕረዝደንታዊን ናይ ቤት-ምኽሪ ምርጫ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ዓ.ም ከተኻይድ መደብ’ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።