ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፡ ንምርጫ ቦርድ’ታ ሃገር ብምቅዋም ንዝወጹ ተቃወምቲ ንምብታን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ምጥቃሙ ተሓቢሩ


ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምርጫ ቦርድ ኬንያ ብምቅዋም ሶኑይ ኣብ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝን ማይን ከም ዝተጠቅመ ተገሊጹ።

እቶም ሰልፈኛታት ምርጫ ቦርድ ቅድሚ ናይ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ክቕየር ኣለዎ ዝብል ስምዕታ ብምስማዕ ነቲ ተቃውሞ ዘካየዱ ክኾኑ ከለው ተቃወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሶኑይ ነቲ ተቃውሞ ከምዝቕጽሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቃል ምእታዎም ይፍለጥ። ምርጫ ቦርድ ብወገኑ ንስምዕቶም ከምዝነጸጎ ኣፍሊጡ’ሎ።

ተቃወምቲ መንግስትን ደገፍቶምን ሶኑይ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢን ካልኦት ቦታታት’ታ ሃገረን ብምውጻእ ምርጫ ቦርድ’ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ከልግስ ስምዕቶኦም ብተቃውሞ ምስምዖም ተገሊጹ።

ኣባላት ተቃወምቲ ፓርቲታት ናብ ቤት ጽሕፈት ምርጫ ቦርድ ብምኻድ ተቃውሞኦም ከስምዑ እዚ ካልኣይ ጊዜ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሰልፈኛታት ንህንጻ’ቲ ምርጫ ቦርድ ክቆጻጸሩ ኣብ ዝፈተንሉ ንሰልፈኛታት ንምብታን ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ምጥቓሙ እቲ ኩነታት ንኣስታት ሓደ ሰዓት ምቅጻሉ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ህውከት ገለ ተማሃሮ ናብቲ ተቃውሞ ምጽንባሮም’ውን ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር’ታ ሃገር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ተቃወምቲ ብሰላማዊ መንገዲ ተቃውሞኦም ከስምዑ ብምጽዋዕ ከምዚ ኢሎም።

‘ ኣብዚ ተአኪብና ዘለና ኣባላት ሕብረት ንለውጢን ዲሞክራሲን ገበነኛታት ዘይምኳንና ንዓለም ክንነገር ኢና። ንሕና ሰላም ንፈትው ህዝቢ ኢና። ንፖሊስ ኮነ ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ናኪሰሪ ሰላማዊ ዝኾነ ተቃውሞ ከምነኻይድ ነጊርናዮም ኢና።’

ተቃወምቲ ጉጅለታት እቲ ምርጫ ቦርድ ኣብ ምርጫ 2013 ዓ.ም.ፈ ናብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርቲ ምድላውን ብፍላይ ኣብ ምቁጻር ድምጺ ኣብ ዝተኻየደ ሪፈረንደም ንለውጢ መሬትን ምርጫን ብምባል ይኸሱ።

ኣቦ መንበር’ቲ ምርጫ ቦርድ ኣይሳክ ሃሰን ሶሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ተቃወምቲ ካልእ ስምዒታዊ ዝኾነ ክስታት ኣብ ልዕሊ’ቲ ምርጫ ቦርድ ምቅራቦም ብምግላጽ እቲ ዘቅረብዎ ክስታት ሓቅነት እንተልይዎ እቲ ምርጫ ቦርድ ኣብቲ ናይ 2017 ዓ.ም.ፈ ምርጫ ክሳተፍ ዘይበቕዓሉ መረጋገጺ ከቕርቡ ሓቲቶም’ለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሚስተር ኦዲንጋ ግን ኬንያዊያን ኣብ እዋን ምርጫ ብዝፍጸሙ ሸፈጥ ከምዝደኸሙን እቲ ተቃውሞ ከምዝቕጽል ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ ንተቃወምቲ መደረ እንዳስምኡ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ነበር ራይላ ኦዲንጋ ንተቃወምቲ መደረ እንዳስምኡ

መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ሰንበት ኣብ ዘውጽእዎ ሪፖርት መራሒ’ቲ ምርጫ ቦርድ ተቃወምቲ ነቲ ቦርድ ምፍርራሕ እንተቀጺሎም ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ከይሳተፉ ከምዝእግድዎም ኣጠንቂቖም’ለው።

ቤት-ምኽሪ ዘይመንግስታዊያን ትካላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፖለቲካዊ መራሕትን ካልኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባ ተአማኒንት እቲ ምርጫ ቦርድ ክዘራረቡ ጸዊዖም’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG