ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ናብ 90 ክብ ምባሉ ተገሊጹ


ኣብ ኬንያ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ብሰንኪ ዝጀመርዎ ምሕሳም መግቢ ዝኣተዎም ጥምየት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ንቆልዑ ሓዊሱ ናብ 90 ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ። ፖሊስ ኬንያ ብወገኑ፣ ስፍራ መቃብር ስለዝጸበበ ፍተሻ ተወሰኽቲ ግዳያት ንጊዚኡ ደው አቢሉዎ።

ስፍራ ጅምላዊ መቃብር አብ ከተማ ማሊዲ ምርካቡ ንኬንያዊያን ኣሰምቢድዎም ኣሎ። መራሒ ቲ ጉጅለ ሃይማኖት ፖል ማኬንዚ "ናብ ኣምላኽ ዝግበር ጉዕዞ ብሕታዊ መገዲ፣ ብጥምየት ነብስኻ ምጥፋእ ጥራሕ እዩ" ክብል ንሰዓብቱ ብምኽሳስ ይኽሰስ።

ክፍሊ ምክልኻል ሓደጋ ኬንያ ትማሊ ሰሉስ ተወሰኽቲ 17 ኣስከሬናት ድሕሪ ምርካቦም፣ ገና ዘይተነጸሩ ግዳያት’ውን ክህልው ይኽእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ አብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ’ታ ብብዝሒ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና ዘለውዋ ሃገር ዝነጥፉ ናእሽቲ ሃይማኖታዊያን ጉጅለታት ከምዘጥፈኦም ኣፍሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG