ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ሬሳታት 31 ሰዓብቲ ሃይማኖት ረኺቡ


ፖሊስ ኬንያ ኣብ ስድራ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ብዝገበሮ ፈተሻ ሬሳታት 31 ሰባት ምርካቡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እቲ ፖል መካንዚ ዝተባህለ መራሒ ሃይማኖት ኣብ 14 ሚያዝያ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ንሰዓብቱ ጸይሞም ንየሱስ ክርስቶስ ክረኽቡ ድሕሪ ምስባኹ’ዩ እቲ ጃምላዊ ሞት ኣጋጢሙ። ጠቕላላ ብዝሒ በቲ ፍሉይ ጻውዒት ዝሞቱ ሰዓብቲ 43’ዩ።

ፖሊስ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ንስፍራ እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ክፍትሽ ምስ ጀመረ፡ 15 ዝማሰኑ ዜጋታት ምርካቡ ኣቐዲሙ ኣመልኪቱ። ኣርባዕተ ካብቶም ቀዲሞም ዝተረኽቡ፡ ሞይቶም’ዮም። ሕጂ ድማ ነቶም ሬሳታት ኣብ ኣዝዩ ጸቢብ ስፍራ ምርካቡ ይሕብር።

መራሒ እቲ ሃይማኖታዊ ጉጅለ፡ ንሰዓብቱ ጸይሞም ድሕሪ ሞቶም ክጸድቁ ዘእመነ ክኸውን እንከሎ፡ ንባዕሉ’ውን ድሕሪ ምእሳሩ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምሕሳም መግቢ ይገብር ምህላዉ እቲ ዜና ይጠቅስ።

እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣቐዲሙ ክልተ ግዜ ተኣሲሩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ክልቲኡ እዋን ብዋሕስ ተለቒቑ’ዩ። ሓደ ካብቲ ኣቐዲሙ ዘእሰሮ ብምኽንያት ሞት ህጻናት ሰዓብቲ እቲ ቤተ ክርስትያን’ዩ።

XS
SM
MD
LG