ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ ስልጣን ሰሜናዊምብራቕ ኬንያ መንግስቲ ንሰላማዊያን ሰባት ከዕጥቕ ሓቲቶም


 ኣብ ጋሪሳ ኣብ ግንቦት 24, 2017 መጥቓዕቲ
ኣብ ጋሪሳ ኣብ ግንቦት 24, 2017 መጥቓዕቲ

ኣብ ሰሜናዊምብራቕ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ መንግስቲ ንሰላማዊያን ሰባት ከዕጥቕ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ሓቲቶም። መንግስቲ ብወገኑ እዚ ዓይነት ስጉምቲ ሓደገኛ ምኳኑ ገሊጹ እንተኾነ ንጸጥታ ዝሓሸ ሓለዋ ከምዝገብር ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊምብራቕ ኬንያ ንሰሙናት ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ንሰላማዊያን ሰባት ከዕጥቑ ምኳኖም ይገልጹ ኣለው።

ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ መንግስቲ እቲ ዝግባእ ሓለዋ ከምዘይገበረሎም ብምኽሳስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመሰረታዊ ኣገልግሎት ከም ትምህርትን ጥዕናን ዝአመሰለ ብሰንኪ እቲ ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ይተዓናቐፍ ከምዘሎ ይገልጹ።

ባራ ሺል አባል ፓርላማ’ታ ሃገር ኮይኑ ካብ ዞባ ጋርሳ’ዩ። ንሱ ነበርቲ’ቲ ዞባ ካብ ተደጋጋሚ ናይ ግብረ ሽበራ መጥቓዕቲ ተስፋ ከምዝቆረጹን ብዛዕባ መጻኢ ደቆም ስግኣት ከምዝፈጠረሎም ይገልጹ።

“ኩሉ ጊዜ ብግብረ ሽበራዊያን እንዳተቐተልካን እንዳቆሰልኻን ብተወሳኺ ሓለዋ ዘይብልኻ ክትቅጽል ኣይትኽእልን ኢኻ። መማሃራን ሰብ ሞያ ህክምና ስኢና ኢና። ኣብዚ ሕጂ እዋን መሰረታዊ አገልግሎት ምርኻብ’ውን ኣይኸአልናን።ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ተሳቒና ኢና ስለዚ ንምንታይ ተወሳኺ ንሳቐ?”

ሽሊንን ካልኦት ኣርባዕተ ሰብ ሞያ ሕጊ መንግስቲ ካብ አልሸባብ ንዘጋጥሙ መጥቓዕታት ንምኽልኻል ንማሕበረሰብ’ቲ ዞባ ከዕጥቕ ይጽውዑ። እዚ ድማ ኣል ሸባብ ንዝሓለፈ መጥቓዕታት ሓላፍነት ድሕሪ ምውሳዱ ዘቕረብዎ ምዃኑ ወሲኾም የረድኡ።

ሪቻርድ ቱታ በዓል ሞያ ሃገራዊ ጸጥታ ኮይኑ ህዝቢ ክዓጥቕ ይክእል’ዩ ግን ኸአ እቲ ትኽኽል ዝኾነ መስርሕ ክሕለው ይግባእ ይብል።

“ ነቲ ማሕበረሰብ ከተዕጥቕ ጽቡቕ ሓሳብ’ዩ እንተኾነ ግን እቲ መስርሕ ምዕጣቕ ግን ብኸመይ’ዩ? ንኣብነት ብኸመይ መንገዲ ክስልጡን፡ ብረት ብኸመይ ይወሃብን እቲ ስርሒት ብኸመይ ይኻየድ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ምስ ተፈልጠ እቲ ምዕጣቕ ማሕበረሰብ ኽካየድ ይክኣል።”

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ኣል ሸባብ 12 ሰበ ስልጣን ጸጥታ ቐቲሎም’ዮም ገለ ካብኦም ኣብ መንገዲ ብዝተተኾሰ ነታጓ ዝሞቱ’ዮም።

ብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት’ውን ሞይቶም’ዮም፡ ሓደ መምህር ኣብ ፋፊ ጋሪሳ ዝሓለፈ ሰሙን ምቕታሉ ይዝኸር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG